`ከማኹም ኣብ እንዳ ሻሂ ኣይተመስረትናን` ዝብልዎ ዘረባ?

ብዙሓት ካድረታት ህወሓት ኣብ ውልቃዊ ወግዒ ኾነ መድረኽ ኣብ ዝረኸብሉ ቦታ ኩሉ፣ ክሓርቁ ከለዉ ሓንቲ ዘይትፍለዮም ዘረባ ኣላ። “ህወሓት ኣብ እንዳ ሻሂ፣ ኣብ ኣደራሻት ከተማ ኣይተመስረተን” ይብሉ። እዙይ ከም ጅግንነት እዮም ዝቖፅርዎ። ግን ክዓ ኣብ እንዳ ሻይ ኢኹም ተመስሪትኩም ኢሉ ዝኸሰሶም፤ ወይ ታሪኽ ዘዛብዐ ኣብ ዘየብሉ።

ዘይምዕዳል እዩ እምበር ጭቆና ደፊኡካ፣ ኣሻሓት ኣሰዊእኻ፣ ን17 ዓመት በረኻ ነቢርካ (ሓዱሽ ዓሌት ክሳብ ትፈጥር)፣ ድሓር ኣብ ዝፈረሰ ቢሮክራሲ መከራኻ በሊዕኻ፣ ተመሊስካ ድማ ናይ ዓወትካ ግዳይ ኮይንካ ናብ ፅንተት ኣምሪሕኻ እንዳሃለኻ፣ ግን ሕዚ እውን ዓርስኻ ኣብ ክንዲ ምፍታሽ ብብድዐ፣ ንሕና ኣብ በረኻ ኢና ተመስሪትና፣ ኣብ ከተማ ዝተመስረቱ ክነቕፉና፣ ክዛረቡና፣ ወዘተ የብሎምን ካብ ዝብል እምነት ይዛረቡ። ስልጣን እውን ካብ በረኻ ብዕጥቓዊ ቃልሲ ንዝመፀ እምበር ኣብ ከተማ ንዝተመስረተ ኣይግባእን ዝዓይነቱ ፍልስፍና ዘለዎም እዮም።

ሰብ በቲ ዝመፅዎ (ብጠበጃ) ክገጥሞም ዝደልዩ ይመስሉ። እቲ ዝመራሕኹሞ ዕጥቃዊ ቃልሲ እኮ፣ ከም ትብልዎን ኣብ ሕገ መንግስቲ ከም ዝተቐመጠን፣ ሓደ ዕላምኡ ዝነበረ -መንገዲ በረኻ በረኻ ገዲፍካስ ዜጋታት እንተስ ኣብ እንዳ ሻሂ፣ እንተስ ኣብ ኣዳራሽ ሆቴል ውድባት መስሪቶም ሰላማዊ ቃልሲ ከካይዱ እዩ ነይሩ።

ስነ ሓሳብን ፖሊሲን እምበር “ኣበይ ተመስሪትኩም” ዝብል ቅቡልነት መውሃብን፣ ስልጣን መን ይሓዝን ንዝብል መመዘኒ ረቚሓ ጌርካ ምሕሳብ ኣይምተገብአን። ብስሩ እውን “ደጊም መንግስቲ ዝቕየር ብዓመፅ እንተይኮነስ ብሕጋዊ መንገዲ፣ ብመረፃ እዩ”፣ ዝብል ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ክልል ኮነ ፌደራል ሰፊሩ ይርከብ እዩ።

እሞሲ ኣብ እንዳ ሻሂ፣ ኣብ ኣደራሻ፣ ኮታስ ኣብ ሰላማዊ ቦታ ዝተመስረተ ውድብ ካብቲ ናትና ይንእስ እዩ፣ ከም ውድብ እውን ኣይንቖፅሮን እንተይልኩም፣ ጠቕልሊኩም ብዝሃ ውድብ ዝብሃል ኣይንፈልጥን፣ ዘይኣመናሉ ኢና ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣቐሚጥናዮ ዘይትብሉ?

ኣብ ዓለም ኣፈጣጥራ ውድባት ፖለቲካ እንትንፍትሽ እንተንኣሰ ክልተ ታሪኻዊ ዓበይቲ ክፋላት ንረክብ።

እቲ ሓደ መቃለሲ ሰላማዊ ባይታን ፖለቲካዊ ምህዳርን ስኢኑ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ዝምስረት ኣሎ። ብዙሕ ውድብ በዚ መንገዲ ተመስሪቱ እዩ። ብፍላይ ኣንፃር ባዕዲ ዝተቓለሱ ውድባት ኣፍሪካ፣ ውሽጣዊ ጭቆና ዝተቓለሱ ድማ ከም ህወሓት፣ ወዘተ። ናብ ዲሞክራሲያዊ ወይ ዝሓሸ ምሕደራ ዝተሰጋገሩ ግን ውሑዳት እዮም።

እቲ ካልኣይ ክፋልን ብብዙሕ መለክዒ ዲሞክራሲያዊ ኣለባት ዘለዎም ወይ ዝሓሸ መንግስታት ዝመርሑን፣ ሕዚ እውን ዘመናዊ መንግስታት ዓለም ብመረፃ ዝመርሑ ዘለዉን ድማ ኣብ እንዳ ሻሂ (ኮፊሃውስ)፣ ሳሎናት ፅባቐ፣ ማእኸላት መዘናግዒ፣ ኣደራሻት፣ ሚዲያ ክትዕ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ማእኸላት መፅናዕቲ፣ ፎሮማት ሲቪል ማሕበረሰብን ሓፋሽ ማሕበራትን፣ ሞያ ማሕበራት፣ ወዘተ ተጠኒሶም ዝተመስረቱ ውድባት እዮም። ብመሰረቱ ኣብ ከተማታት ብሊሂቃን ሙሁራንን ተመስሪቶም ድጋፍ ንምእላሽ ዝጉስጉሱ እዮም።

ኣብ 18ን 19ን ክፍላተ ዘበን ኣብ ኣውሮፓ ከምዚ ዝኣመሰሉ ቦታታትን እቶም ሊሂቃን፣ ኮኑ ካልኦት ነጠፍቲ ሰባት ክትዕን ዘተን ከካይዱን ድሓር ንዝተፈጠሩ ውድባታት ድማ ምንፃፍ ከምዝነበሩን ሃበርማስ ኣብቲ ብዛዕባ ‘Structural Transformation of the Public Sphere’ ዝፅሓፈሉ ይገልፅ። ዋና ሓሳቡ እንትጥመር እውን፣

(The bourgeois public sphere emerged in 18th-century Europe, with coffeehouses, salons, and reading societies becoming critical sites of political discussion and the birth of public opinion. These places enabled rational-critical debate, which was foundational to modern democracy and party development.)

በነዲክት ኣንደርሰን እውን ‘Imagined Communities’ ኣብ ዝብል መፅሓፉ እዞም ቦታታት ዝተፈለየ ሓሳብ ንኽምዕብል ዝነበሮም ግደ ዕዙዝ ምዃኑ ፅሒፉ እዩ (ዋላ እኳ ብሓፈሻ እቲ መፅሓፉ ብዛዕባ ብሄርተኝነት እንተኾነ)።

ክብሎ ዝደለኹ፣ እቲ ዝደለ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ሕጊ ብዝፈቐዶ ተመስሪትካ ምቅላስ ድዩ ዝሓሽን ከም ትዕድልቲ ክውሰድ ዝነበሮስ፣ ተደፊእኻ ፈቐዶ በረኻ ከርተት እንዳበልካ ምምስራት?

ዋንኡ እቶም ውድባት እንታይ ሓሳብ ኣለዎም፣ ኣማራፂ ፖሊሲ ኣቕሪቦም ዶ ፣ ወዘተ ዝብል ድዩስ ኣበይ ተመስሪቶም ዝብል?

“ከማኻትኩም ኣብ እንዳ ሻሂ ኣይተመስረትናን ኢልካ ጃህራስ ናይቲ ተዛራባይ ሕመቕ ዶ ኣይኮነን ዘቃልዕ? ኣባላት ህወሓት ቅድሚ በረኻ ምውራዶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን፣ ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ሻሂን ተራኾቦም ጉጅለታት ከም ዝፈጠሩ እኳስ ዘይርዳእ ድንቁርናን ትዕቢትን ዝወልዶ ዘረባ ዶ ኣይኮነን እዩ?

ብስሩ ግን ንምንታይ እዩ መንእሰይ ውድብ ክምስርት በረኻ ክወፅእ፣ ጠበንጃ ከልዕል ከምዘለዎ ኩሉ ግዘ ብተዘዋዋሪ ዝንገሮ ዘሎ? ናይቲ ስርዓት ድልየት ንሱ ድዩ ኾይኑስ፣ ጠቕሊሉ እዩ ትዛረብዎ ነገር ጠፊእኩም ዘሎ? ምኽንያቱ ጣሕሸም ብዝበለ ቑፅሪ ድማ “ተቓወምቲ መንገዲ ዓመፅ ይቕስቅሱ ኣለዉ“ ኢልኩም ንምኽሳስ ዝቕድመኩም ስለ ዘየለን፣ ባይታ ከም ዘሎ ኣምሲልኩም ቃልሲ ሰላማዊ መንገዲ ስለ ትሰብኩን! ህዝቢ ኣየንኡ ጭርሖኹም ይሓዝ?

Similar Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *