ሓርነታዊ ናብራ ኾነ ባርነት ሕርያ እዩ!
ብጉዳይ ትግራይ ብዙሕ ሰብ እዩ ሓሪቑ ዝርከብ። ብዙሕ ሂወቱ ኣሃጊሩ እዩ። ብዙሕ ግዚኡ ሰዊኡ፣ ብዙሕ ገንዘቡ ኣወፊዩ፣ ብዙሕ ኣፍልጥኣዊ ዓቕሙ ሂቡ፣ ብዙሕ ጭንቂ ሒዝዎ ሓሚሙ፣ ብዙሕ ብዛዕባ ትግራይ ክሓስብ ስራሕ ቦዂሩ ተዃርዩ ስድርኡ በቲኑ፣ ወዘተ። ሂወት ትግራዋይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ተበላሽዩ እዩ።
እዙይ ኩሉ ኾይኑ ግን ብሕመቕ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ህዝቢ ክከላኸል ዝኽእል ስርዓት ስለ ዘይተሃንፀን ውፅኢት የለን። ተመጣጣኒ ዓወት ዓብይ ደበስ ሓዘንን ዝዓነወካ ኩሉን እዩ ነይሩ፣ ንስነ-ልቦናዊ ሕማምን ኣእምራዊ ፅቕጥን ድማ ሕክምና እዩ። እዙይ ኣይኮነን። ከምኡ ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብሕርቃንን ጓህን ጣዕ ክብል ገይርዎ ኣሎ። ዳርጋ ኣብ ፍፁም ማሕበራዊ ሕማም ንርከብ።
ኣብ ዓዲ ዘሎ ብሂወት ዝቐረየ ከምቲ ትሪእዎን ትነብርዎን ዘለኹም ኣብ ድኽነትን ባእስን ይነብር ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ጎናዊ ሕሰም፣ ረብሻ፣ ስርቅን ምንዕዓቕን ወሪስዎ ኣሎ። ኩሉ ዓይነት ድሕረት ምልሰት ኣርእዩ ዓዲ ይሕመስ ኣሎ።
እቲ ዝተወሰነ ዓቕሉ ዝኣከበ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ፣ በቲ ዝሪኦ ዘሎ ነውራም ባህሪ መራሕቲ ኢና ዝብሉን ክንመርሕ ኣለና ኢሎም ዝህንጠዩን፣ ብ ባህሪ ሥስዐን ስርቅን መሓውራቶምን፣ ብ ክፉእ ምጥቕቓዕን ምጭብርባርን፣ ሰርከትከትን ማሕበራዊ ሕመቕ ብዙሕ ዜጋን፣ ወዘተ ደንፅይዎ ሓፊሩ “ኣባል እዚ ብሄር ዲናስ ኣይኮናን ንበል” ናብ ዝብል ሕቶ ወሪዱ ይርከብ።
ንኹሉ መፍትሒኡ ስርዓት ምዕራይ እዩ። ዝሓሹ መራሕቲ ክሕልውኻ ምስራሕ እዩ። ግልፅነትን ልዕልነት ሕግን ክርጋገፅ ምስራሕ እዩ። እትሓቶምን እተባርሮምን ኣመሓደርቲ እምበር፣ ባሪያ ኾይንካ ተምልኾም ገዛእቲ ከይህልዉኻ ምቅላስ እዩ። ንሳቶምን ንዕኦም ዝጥብር ስነ ልቦናኻን እዩ ናብዚ ውርደት እዙይ ኣብፂሑካ ዘሎ። ደቂ ብሄረይ ብዝብል ዕሽነት ሕመቕ ተሸኪምካ ምኻድ ገዲፍካ፣ ጨኪንካ እዙይ እንተዘይ ኣወጊድካን ሓዱሽ ኣንፈት እንተዘይብሂግካን ክዓ፣ ዝተዋረደ ብሄር ኮይንካ ደኺኻን ተበቲንካን ትነብር። ዘላቒ ህላወን ሓርነትን ሕርያ እዩ፣ ባርነት እውን ሕርያ እዩ።
————————-
ብ ወልደጊዮርግስ ገበረሂወት