ታሪኽ ሕማቕ ዘበንን ሓደ ምሁርን!
ዘርኣ ያእቆብ (ፈላስፋ) | ፲፭፻፺፪ ዓ.ም /1592 ዓ.ም | ሓተታ ዘዘርኣ ያእቆብ ትርጉም፡ መምህር ሙሉወርቂ ኪዳነማርያም “…ኣነ ኣብ ዓዲ ካህናት ኣብ ኣክሱም እየ ተወሊደ። ሃፀይ ያእቆብ [ወዲ ሰርፀ ድንግል] ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ፡ ብ1592 ዓ.ም እየ ካብ ስድራ ቤት ሓረስቶት ተወሊደ። ሰባት ወርቀ እዮም ዝብሉኒ ግን ድማ ብስም ጥምቀተይ ዘርኣ ያእቆብ ተባሂለ እየ ዝፅዋዕ።……