‘’ያበለ’’- ኣካል ባህላዊ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ!
ሕብረተሰብ ትግራይ ከም ኩሉ ሕብረተሰብ ዓለም ከምቲ ናይ ሎሚ ዘበናዊ መለዋወጢ ሓበሬታ ዝኾኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘየብሉ እንከሎ እውን ሓበሬታ ይለዋወጥ ነይሩ እዩ። ዝተፈላለዩ ሜላታት መለዋወጢ ሓበሬታ ክዓ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ነይሮም። መብዛሕትኦም ድማ ብኣካል ተራኺብካ ዝግበሩ ልውውጥ ሓበሬታ ኮይኖም እዮም ፀኒሖም። ሎሚ እውን እንተኾነ መብዛሕትኡ ህዝብና ኣብዚኦም ተደሪኹ እዩ ሓበሬታ ዝለዋወጥ። ሰብ ኣብ መንገዲ፣ ፀበል፣…