‘’ያበለ’’- ኣካል ባህላዊ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ!
ሕብረተሰብ ትግራይ ከም ኩሉ ሕብረተሰብ ዓለም ከምቲ ናይ ሎሚ ዘበናዊ መለዋወጢ ሓበሬታ ዝኾኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘየብሉ እንከሎ እውን ሓበሬታ ይለዋወጥ ነይሩ እዩ። ዝተፈላለዩ ሜላታት መለዋወጢ ሓበሬታ ክዓ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ነይሮም። መብዛሕትኦም ድማ ብኣካል ተራኺብካ ዝግበሩ ልውውጥ ሓበሬታ ኮይኖም እዮም ፀኒሖም።
ሎሚ እውን እንተኾነ መብዛሕትኡ ህዝብና ኣብዚኦም ተደሪኹ እዩ ሓበሬታ ዝለዋወጥ። ሰብ ኣብ መንገዲ፣ ፀበል፣ ኩስሚ፣ ኣብያተ እምነት፣ ዕዳጋ፣ መርዓ፣ ተስካር፣ ቀብሪ፣ ካልኦት ተጓንፎታት ሓዘንን ሓጎስን፣ ወዘተ እንትራኸብ ሓበሬታ ይለዋወጥ ነይሩን ኣሎን። ብስሩዕ ሓበሬታ ከብፅሑ ብዝልኣኹ ሰባት (ጦፈኛታት) እውን ይካየድ ነይሩ። ነቲ ሓበሬታ ከይጠፍኦም ንውልቆም እንዳደገምዎ ድማ ይጓዓዙ። “ዘመድ ጥየቓ’’ እውን ሓደ ኣካል መለዋወጢ ሓበሬታ እዩ ነይሩን ዘሎን። ኣቃብሩና ወይ ክዓ ‘’መርድእ ንሓፋሽ’’ እኳ ክሳብ ሎሚ ዝካየድን መብዛሕትኡ ግዘ ድማ ኣካላዊ ምርኻብ ዘይኣየድልዮን እዩ። ሰባት ኣብ ጎቦ ወይ ነዊሕ ዱር ተሰቒሎም ንዓዲ ‘’ብምእዋይ’’ የርድእዎ፣ ህዝቢ ዝሞተ ክቐብርን ብፅሖ ክበፅሕን ፃውዒት የቕርቡ። “እውይይይ ኣያ እገለ ዓሪፍም፣ ፅባሕ ንጉሆ ኣቃብሩና ይብልኹም ኣለዉ እንዳ እገለ . . .’’ ይብሉ ዓው ኢሎም። ኣብ ከተማ ድማ ብጥሩምባ።
ሽም ዝተዋህቦም ዓይነት ባህላዊ ዝኾኑ ከይዲ ልውውጥ ሓበሬታ (cultural or indigenous communication systems) እውን ኣብ ካልእ ሕብረተሰብ ከም ንረኽቦ ኩሉ ኣብ ትግራይ እውን ይርከቡ እዮም። ከም ዝፍለጥ ዓፋሮቶት ‘’ዳጉ’’ ዝብሃል ባህሊ ልውውጥ ሓበሬታ ኣለዎም። ብስርዓት ዳጉ ዓፋሮቶት ኣብ መንገዲ እንትራኸቡ ካብ ሰላምታ ቐፂሉ ዘዝፈልጥዎ ሓበሬታ ብዘይ ሓሶትን ምዝባዕን ምልውዋጥ እዩ። ሓደ ነቲ ኻልእ ‘’ወረ ታበ’’ ወይ ድማ ‘’እንታይ ወረ ኣሎ?’’ ኢሉ ይሓቶ። በዚ መሰረት ኣብ መንገዲ፣ ኣብ ዕዳጋ፣ ኣብ ጉዳይ፣ ወዘተ ዝተራኸቡ ሰባት ዘዝፈልጥዎ ሓበሬታ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ብስርዓት ይለዋወጡ። ብኸምኡ ክዓ ፃምእ ሓበሬታ ይምላእ።
ኣብ ትግራይ እውን ከምዚ ዝኣመሰሉ ባህላዊ ዝኾኑ ከይዲ ምልውዋጥ ሓበሬታ ኣለዉ እዮም። ካብኣቶም እቶም ክልተ ‘’ዋርሲም’’ን ‘’ያበለ’’ን ክንፀርሕ ንኽእል ኢና። ሓጎስ ንጉሰ ኣብ ዝሰርሖ መፅናዕቲ ከም ዘቐመጦ `ዋርሲም` ብቋንቋ ኢሮብ ኮይኑ ህዝቢ ኢሮብ ዝጥቀመሉ ከይዲ ልውውጥ ሓበሬታ እዩ። ‘’ያበለ’’ ድማ ኣብ ተዛረብቲ ትግርኛ ንፈልጦ፣ ሕዚ ድማ ኣድህቦ መፅናዕቲ ረኺቡ ተመዝጊቡ ዝርከብ ሓደ ባህላዊ ልውውጥ ሓበሬታ እዩ። ብዝተፈላለየ መልክዕ ክፅዋዕ ሰሚዕኹም ትኾኑ ኢኹም። እቲ ሰሚዑ ዘመሓላልፍ `ከምኡ ያ ተባህለ (በለያ)` እንትብል፣ እቲ ሓበሬታ ዝሓትት ድማ `እንታይ ተባህለ` ክብል ይኽእል እዩ። እቲ ብሃላይ ውልቀ ሰብ፣ ዓዲ፣ ማሕበረሰብ፣ ወዘተ ክኸውን ይኽእል። ከምዚ ያ`በለ፣ ያ በሉ፣ . . . እንዳበለ ድማ ማዕቢሉ ይቕፅል።
‘’ያበለ’’ ወይ ክዓ ‘’በለያ’’ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዘለዎ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ እዩ። እንተንኣሰ ታሪኻውን ሞያውን ዓውዲ ክንፀርሕ ንኽእል ኢና። እቲ ተመዝጊቡ ንረኽቦ ታሪኻዊ ዓውዱ ብቐጥታ ምስ ቀዳማይ ወያነ ዝተትሓሓዘ እዩ። ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል እኳ እንተኾነ ባሊህ ኢሉ ፈልዩ ብቑምነገር ዝሓዞ ኣይነበረን። ብ1936 ዓ/ም ግን ሓረስቶት ራያ፣ እንድርታ፣ ኣፅቢ፣ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ተንቤን፣ ወዘተ ኣንፃር ሃፀይ ሃይለስላሰ ቀዳማይ ወያነ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዕጥቃዊ ቃልሲ እንትዕምፁ፣ ኣብቲ ከይዲ ቃልሲ (resistance) “ዓዲ ኹስቶ ያ ፀላኢ መፅዩ በሉ . . . ስንቂ ንሓዝ . . . ንዑ ንውፃእ . . .“ እናተባህሉ ይፀዋውዑ ስለ ዝነበሩ፣ `ያበሉ` ዝብል ከም ሓደ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ ትኹረት ስሒቡ እዩ።
ሰራዊት ስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ ዝበፅሓሉ ዓዲ፣ እቶም ሓረስቶት ብኣቦ ገረባት ብስምምዕ ብዝወረደ መምርሒ መሰረት ዝተወሰኑ መልእኽተኛታት ለይቲ ኣብ ጫፍ ብርኽ ዝበለ ወይ ጎቦ ወፅዮም ሽግ ወይ ድማ ችቦ የብርሁ። እዙይ ማለት ‘’ሰራዊት ፀላኢ መፅዩ ኣሎ እሞ ህዝቢ ዓርሱ ክከላኸል ይዳሎ፣ ውፁ ንዋጋእ’’ ከም ማለት እዩ ነይሩ። ካብኡ ‘’ንማዕዶ ዓዲ እውን ኣፍልጥዎም’’ እንዳተባህለ ንብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ብኸምዚ ሓበሬታ ይበፅሖ። ነዙይ ዝበርሀ ችቦ ወይ ሽግ ዝርኣዩ ቁሸታትን ዓድታትን ‘’ዓዲ ኹስቶ እኮ ፀላእቲ መፅዮም በለ (ያበለ፣ በለያ) ንዑ ንውፃእ፣ ንኺድ ድኣ’’ እንዳተበሃሃሉ ናብ ውግእ ይኸዱ ነይሮም፣ እዩ እቲ ዛንታ (ኣማኑኤል ኣብርሃም)።
እቲ ካልእ ዝጥቀምዎ ዝነበሩ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ ድማ ብጣዕሚ ቁልጥፋት ኣፍራስ (ፈረስ) እንዳጋለብካ ዓዲ ብሙሉኣ ሓበሬታ ክተረክብ ምግባር እዩ። ዝተወሰኑ ጋለብቲ ፈረስ ናብቲ ማዕዶ ዘሎ ዓዲ ጋሊቦም ሓበሬታ ምስ ኣብፅሑ፣ ኣብታ ዝበፅሑላ ዓዲ ዘለዉ ሰብ ፈረስ ድማ ናብቲ ቀፂሉ ዘሎ ዓዲ ነቲ ሓበሬታ የሳግሩ። እምበር እቶም ካብ ዝኾነ ዓዲ ዝተበገሱ ንኹሉ ከባቢ ክነግሩ ኣይቕንዩን። ኣብቲ ችቦ/ሽግ ወሊዕኻ ‘’ፀላኢ መፀ’’ ዝብሃለሉ እውን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እንዳተቐባበሉ እዮም ዝኸዱ እምበር ካብ ወጀራት ተላዒሉ ንመቐለ ሓደ ሰብ ኮነ ጉጅለ ኣይጉዓዝን።
ኣብዚ ርእሰ-ጉዳይ ዝርዝር ታሪኽ ንግዚኡ ኣፅኒሕና ብሓፈሻ ክብሃል ዝኽእል ‘’ያ’በለ’’ ወይ ድማ ‘’በለያ’’ ማለት ‘’ከምኡ እንተተባሂሉ (ሓዊ እንተበሪሁ፣ ፈረሰኛታት እንተነጊሮምኹም) ሰራዊት ፀላኢ መፅዩ ኣሎ ማለት እዩ፣ ተዳለዉ፣ ተኸላኸሉ፣ ዓድኹም ሓልዉ፣ ወፂኹም ተዋግኡ’’ ዝብል መልኽቲ ቃልሲ ብቐዳማይ ወየንቲ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለ ታሪኻዊ ልውውጥ ሓበሬታ እዩ ነይሩ። እዙይ እንትብሃል ሓዱሽ ኮይኑ ዝተፈጠረ ሽዑ እዩ ንማለት ኣይኮነን፣ ኣብ መላእ ተዛረብቲ ትግርኛ ዘሎን ዝነበረን ከይዲ እዩ፣ ግን እቲ ህፁፅ ጠቓምነቱ ኣብ ሓደጋ ግዘ ንምርኣይ ስለ ዘኽእል እዩ። ብኣንፃሩ ከምኡ ያበለ፣ በሉያ . . . ተባሂሉ ብሕሶት ሓደጋ ክስዕብ ከም ዝኽእል እውን ሕዚ ዝኸውን ዘሎ ነገር ተዓዚብካ ምግማት ይክኣል እዩ።
እቲ ካልኣይን ሞያዊ ትርጉሙ ዘትሕዞን ድማ ስፍሕ ዝበለን፣ ጠቕላላ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝብልዎን እዩ። እዙይ ክዓ እቲ ዓንዲ ሑቐ ጋዜጠኝነት ዝኾነ ምግላፅ ፍልፍል/ምንጪ ሓበሬታ ዘዘኻኽር እዩ። ሚዲያ ኩሉ ድልየት ዘለዎ ክጥቀመሉ ዝኽእል መትረብ እዩ። እቲ ሓደ ንስርፀት ፕሮፖጋንዳ፣ እቲ ካልእ ንመዘናግዒ፣ ብክዮው ድማ ንሃይማኖት፣ ወይ ድማ ኻልእ . . .።
ጋዜጠኝነት ዝትግብሩ ሚድያ፣ መፍለጢኦም ዜና፣ ሓተታ ዜና፣ ቅጥዒ ዘለዎ ሚዛኑ ዝሓለወ ዶክሜንትሪ፣ ቃለ መሕትት፣ ወዘተ እዩ። እዚኦም ብጥምረት ዝኽውኑ `ኒውስ ሚዲያ` ንብሎም። እዞም ዓይነታት ሚዲያ ትኽክለኛ ምንጪ ሓበሬታን፣ ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእል ፍልፍልን ይፀርሑ። ፍልፍል ሓበሬታ (source) ምፅራሕ ድማ ኣብ ጋዜጠኝነት ካብቶም ቀንዲ ወሰንቲ መስርሓት ሓደ እዩ።
ምንጪ ዘይጥቀሰሎም ኩነታት ውሑዳት እዮም። ክተረጋግፆም ትኽእል፣ ከም ፍሉጥ ሓቂ ጌርካ ትወስዶም ነገራት ኢኻ ብዘይ ምንጪ ተቕርቦም። ንኣብነት ‘’ህዝቢ ትግራይ ሸሞንተ ሚልዮን ምዃኑ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ’’ እንዳበልካ ዓገግ ኣይትብልን። ሓንሳብ ብወግዒ ምስ ተገለፀ፣ ድሕሪኡ ከም ሓበራዊ ሓቂ ወሲድካ ኢኻ ትጥቀመሉ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ስለስተ ሽሕ ሰራሕተኛ ከምዘለዎ ፕረዚደንት እቲ ትካል ሓቢረን እንዳበልካ ኣይትደጋግምን። ዘጠራጥር ነገር እንተዘይሃልዩ፣ኣብ መዝገብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከይድካ ክተረጋግፆ ንትኽእል ነገር ምንጪ ኣይትፀርሓሉን።
ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ‘’ከምኡ ያ በለ’’ እንትብል ፍልፍል ሓበሬትኡ እዩ ዝገልፅ ዘሎ። መምህር ገብረኺዳን ደስታ ከም ዝብልዎ፣ ብፍላይ ብናይ ቀደም ትግርኛ ድማ ከምቲ ሎሚ ንሓስቦ ፎኪስ (ወረ) እንተይኮነስ ርዝን ዝበለ ትርጉም እዩ ነይርዎ። ‘’ዓዲ ኹስቶ ያ ከምዚ ኢሎም ኣለዉ’’፣ ‘’ኣቦይ ቀሺ ያ ከምኡ በሉ’’፣ ‘’ደጃት ኩስቶ ያ ከምኡ በሉ’’ እንዳተባህለ ከም ጥሉል ሓበሬታ ይውሰድ። ድሓር እኳ ‘’ድምፂ ወያነ እኮ ከምኡ በለት፣ ብሬድዮ እኮ ተነጊሩ እዩ፣ ኣይሰማዕኻን ዲኻ’’ እንዳተባህለ እውን ይዝረብ ነይሩ እዩ።
ኣብ ጋዜጠኝነት ዝትግብራ ሚዲያታት ከም መኹባዕቲ ሓበሬታ ዘፃርዩ፣ ንኽሓልፍን ዘይክሓልፍን ናይ መጨረሻ ውሳነ ዝህቡ ኣርታዕቲ ትሕዝቶ (gatekeepers) ኣለዉዎን። ‘’ያበሉ፣ በሉያ’’ ተባሂሉ ሓበሬታ ስለዝመፀ ጥራሕ ኣይሓልፍን። ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበረሰብና ፍልፍል ሓበሬታ ካብ ቤላበሎ፣ ኢለን-በላ፣ ተራ ወረ፣ ወዘተ ንምፍላይ ‘’ዝድርበ ኣይኮነን ኩስቶ ያ እዮም ከምኡ ዝበሉ’’ ይብሃል እዩ። ብሓፈሻ ‘’ያበለ’’ ብሓደ ገፁ ረዚን ሞያዊ ትርጉም ዘለዎ ኣገላልፃ ፍልፍል ሓበሬታ ምዃኑ ንምሕባር እዩ።
ስለዚ እቲ ኣኽሱማይት ዝነበረ ሚዲያ ‘’ያበለ ሚዲያ’’ ምስ ተባህለ ግር ንዝበለኩም ኣመፃፅኣ ሓሳብ እቲ ያበለ ካብዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ዝብገስ እዩ። ኣብነት ባህላዊ ሜላ ልውውጥ ሓበሬታ ትግራይ ስለ ዝኾነ ንምዕቃብ፣ ኣብ እዋን ቃልሲ ንኣብነት ብቐዳማይ ወያነ ግዘ ኣብ ጥቕሚ እንትውዕል ክህቦ ዝኽእል ታሪኻዊ ረብሓነቱ ንምዝካር፣ ከምኡ ድማ ጠቐሜታ ፍልፍል ሓበሬታ ምግላፅ ንምርዳእ ዘኽእለና መበቆላዊ ፍልጠት ጋዜጠኝነት ስለ ዝኾነ ደጊምካ ኣብ ጥቕሚ እንተውዓለ ኣግባብ እዩ። ግን ከምኡ ኢልካ (ያበለ) ሽም ሚዲያ ንምውፃእ ምኽንያት እንተዘይነብር ነይሩ እውን ሽም ትካል ትርጉም ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ።
መበገስን ግዚያዊ ትርጉምን ሽም እቲ ሚዲያ እዙይ ኮይኑ፣ ኣብቲ “ ያ በለ ፣ ከምኡ ያ በለ፣ በለ ያ . . . “ ዝብል ልሙድ ልውውጥ ሓበሬታ ዝሕብር ትግርኛን ምስ ሞያ ጋዜጠኝነት (ፍልፍል ሓበሬታ) ዘለዎ ረኽቢ፣ ኣግባብነትን ኣፈላላይን ግን ብዝርዝር ክንምለሶ ኢና።
