‘መን ደኾን Media Network’ እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገለ ሰባት ” `መንደኾን Media Network` እንታይ ማለት እዩ?“ ኢሎም ሓቲቶም። ብተወሳኺ እውን ገለ ፕሮግራማት ሚዲያ “ሾው/show” ዝብል ዘኸትሉ ንምንታይ ይኸውን ክብሉ ተጨኒቖም ተዓዚበ። ፅቡቕ ትዕዝብትን ሕቶን ይመስለኒ።

እሞ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነትን ምሕደራ ሚዲያን ዝፍለጥ ጉዳያ ስለ ዝኾነ ዝተወሰነ ሓሳብ ከካፍል።

በዝሒ ማዕኸናት

ኣብ ሚድይኦም “Network” ዝብል ስያመ ዘኸትሉ ትካላት፣ ብዝሓት ዘመሓላልፍሉ ማዕኸንን ኣወዳድባ ቅርፆምን፣ ጆኦግራፊያዊ ዝርግሐ ትሕዝትኦምን ዘተሓባብርዎም (host ዝገብርዎም) መፍረይቲ ትሕዝቶታትን ንምምልካት እዩ።

እቲ ቀዲሙ ክጥቀስ ዝኽእል በዝሒ ማዕኸናት ምውናን ወይ ድማ ትሕዝቶ ብብዙሓት ማዕኸናት ምምሕልላፍ እዩ። ኔትወርክ ኢና ዝብሉ ሚዲያታት ብራድዮ፣ ብቴሌቪዥን፣ ብሕትመት ነመሓላልፍ ኢና ማለቶም እዩ። ከምኡ እውን ብዌብሳይት፣ ማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት መተግበሪ መሳርሕታትን (ኣፕሊኬሽንን) ኣለና ማለቶም እዩ። እዚኦም ተጣሚሮም ትሕዝቶታቶም እንተመሓላልፉ ኔትርወርክ ኢና ክብሉ ይኽእሉ።

ተበፃሕነት ቦታ

እቲ ኻልኣይ፥ ምስ ዝርግሐ ትሕዝቶ ዝተትሓሓዘ እዩ/Geographic reach/። ኣብ ብዙሓት ክፍለ ዓለማት ወይ ሃገራት ቢሮታት ኣለና፣ ተወከልቲ ኣለውና፣ ናይ ኩሎም ትሕዝቶ ንሽፍን ወይ ናብኦም እውን ንዝርግሕ ኢና ንማለት ዝግበር ፃዕሪ እዩ።

መደብር መዳርግቲ ኣካላት ምዃን

ሳልሳይ፥ ካልኦት ትሕዝቶ መዳለውቲ ኣባና የመሓላልፉ እዮም ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ። ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታን ዓይነት ትሕዝቶን ዘለዎም ሚዲያታት፣ ፈጠርቲ ትሕዝቶታት ንሕና ብዘመቻቸናዮ ማዕኸን ዝርጭት እንተስ ብኽፍሊት፣ እንተስ ብኻልእ ዓይነት ስምምዕ ትሕዝትኦም ንተበፃሕቶም የቕርቡ እዮም፣ ስለዚ ናይ ብዙሓት ሚዲያታት መመሓላለፍቲ መደብር ኢና እዮም ዝብሉ ዘለዉ።

ከይዲ ፈጠራ ዝሓሸ ምስልን ህቃነን

ምናልባሽ ከም ራብዓይ ክንወስዶም ንኽእል ነጥቢ ድማ ኣካል ብራንዲንግ ዝኾነ ዝሓሸ ምስሊ (perception) ንምፍጣር ዝግበር ግን ድማ መታለሊ ዝኾነ ኣቀራርባ እዩ። እግሪ ዝተኸልና ኢና፣ ዓበይቲ ኢና ፣ ሞያን ክእለትን ዘለና ኢና፣ ብዙሕ ሃፍቲ ኣፍሲስና ንሰርሕ ዓብይ ትካል ኢና ዝብል ምስሊ ንምፍጣር ዝሽከምዎ ሽም እውን እዩ። እንተዓብዩ ድማ ንቕድሚት ኔትርወርክ ክንውንን ኢና ካብ ዝብል ዝብገስ ናይ ተስፋ ወይ ድማ ራኢ ስም እዩ።

እሞ ካብዚ ዓይኒ ኣየኖት ናይ ትግራይ ሚዲያታት ዘኸተልዎ “ኔትወርክ“ ዝብል ቃል ንተግባሮም ዝገልፅ ኮይኑ ትረኽብዎ?

መተሓሳሰቢ፥ ናይ ግድን ሰለስቲኦም ብሓደ ክርከቡ የብሎምን፣ ካብቶም ረቛሒታት ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ እንተማሊኦም ኔትውርክ ዝብል ሽም ክምነዩ (claim ክገብሩ) ይኽእሉ እዮም።

————————————-

ብ ወልደጊዮርግስ ገብረሂወት

Similar Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *