ታሪኽ ሕማቕ ዘበንን ሓደ ምሁርን!

ዘርኣ ያእቆብ (ፈላስፋ) | ፲፭፻፺፪ ዓ.ም /1592 ዓ.ም | ሓተታ ዘዘርኣ ያእቆብ

ትርጉም፡ መምህር ሙሉወርቂ ኪዳነማርያም

“…ኣነ ኣብ ዓዲ ካህናት ኣብ ኣክሱም እየ ተወሊደ። ሃፀይ ያእቆብ [ወዲ ሰርፀ ድንግል] ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ፡ ብ1592 ዓ.ም እየ ካብ ስድራ ቤት ሓረስቶት ተወሊደ። ሰባት ወርቀ እዮም ዝብሉኒ ግን ድማ ብስም ጥምቀተይ ዘርኣ ያእቆብ ተባሂለ እየ ዝፅዋዕ።… ትርጉም ቅዱሳት መፃሕፍቲ ክመሃር ከይደ። …ካብኡ ናብ ዓደይ ኣክሱም ተመሊሰ። …ኣብ ዓደይ መፃሕፍቲ ከምህር እንተለኹ ብዙሓት መሓዙተይ ፀሊኦምኒ። ኣብዚ ዘበን ምሕዝነት ዝበሃል ጠፊኡ ነበረ’ሞ ቅንኢ ሒዙዎም እዩ። … መፅሓፍ ከምህርን ክትርጉምን እንተለኹ ካቶሊክ ከምዚ ይብሉ። ግብፃውያን (ኦርቶዶክሳውያን) ከምዚ ከምዚ ይብሉ እብል። ንሕና’ውን እንተመርሚርና እዚ ኩሉ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና እየ ዝብል’ምበር እዚ ፅቡቕ ወይ እዚ ሕማቕ ኣይብልን። ስለዚ ኩሎም ፀሊኦምኒ። ብተደጋጋሚ ኣብ ንጉስ ከሲሶምኒ። እግዚኣብሄር ግን ኣድሒኑኒ። ድሕሪ’ዚ ካብ ካህናት ኣክሱም ሓደ ወልደዮሃንስ ዝበሃል ፀላኢየ ፈታዊ ንጉስ ስለዝነበረ፤ ፍቕሪ ንጉሳት ብመልሓስካ ጠቢርካ ትረኽባ ኢኻ’ሞ ናብቲ ንጉስ ከይዱ፣ እትዩ’ውን ከምዚ ዝስዕብ በሎ።

“እዚ ሰብ ህዝቢ የጋግይ እዩ። ምእንቲ ሃይማኖትና ተላዒልና ነቲ ንጉስ ንቕተሎ፤ እቶም ፈረንጂ’ውን ነባርሮም እዩ ዝብል።” ኢሉን ብዝኣመሰለን ሕሶት ከሲሱኒ። ኣነ ድማ ክቐትለኒ ይኽእል እዩ ኢለ ሰጊአ ዝነበረትኒ ሰለስተ ሕልቂ ወርቅን ፀሎት ዘብፀሐላ መዝሙር ዳዊተይን ሒዘ ብለይቲ ወፂአ ሃዲመ። ናበይ ከምዝኸይድ ንዝኾነ ሰብ ኣይነገርኩን። ናብ በረኻ ተከዘ እየ ኣትየ።…”

*********

ኣህንታ (disclaimer): እቲ ኣርእስቲ ናይ መምህር ሙሉወርቂ እዩ።

Similar Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *