ስሙያት ኣጋንንቲ ዓድና፡ “ኣባ ናዞ”ን ”ገምቦ ጀሃን”ን
ብ ሙሉወርቂ ኪዳነ ማርያም ስቲቨን ፈየርማን-Steven Feierman-ምሁር ታሪኽን ኣንትሮፖሎጂን ኮይኑ ፕሮፌሰር እውን እዩ። ታሪኽ፣ ፖለቲካን ዓውዲ መበቆላዊ ሕክምና ኣፍሪካን ድማ ዝነጥፈሉ ዓውዲ እዩ። እዚ ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ብ1990 ዓ.ም.ፈ “ምሁራት ሓረስቶት፣ ኣንትሮፖሎጅን ታሪኽን ኣብ ታንዛንያ –Peasant Intellectuals: Anthropology and History in Tanzania” ዝብል መፅሓፍ እውን ኣለዎ። ገሊኡ ፈጣሪ ዝሓዘነሉ “ምሁር” እየ ዝብል፣ ሓረስቶት ካብ ምድፋእ ድንኩልን…
