ስሙያት ኣጋንንቲ ዓድና፡ “ኣባ ናዞ”ን ”ገምቦ ጀሃን”ን

ብ ሙሉወርቂ ኪዳነ ማርያም

ስቲቨን ፈየርማን-Steven Feierman-ምሁር ታሪኽን ኣንትሮፖሎጂን ኮይኑ ፕሮፌሰር እውን እዩ። ታሪኽ፣ ፖለቲካን ዓውዲ መበቆላዊ ሕክምና ኣፍሪካን ድማ ዝነጥፈሉ ዓውዲ እዩ። እዚ ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ብ1990 ዓ.ም.ፈ “ምሁራት ሓረስቶት፣ ኣንትሮፖሎጅን ታሪኽን ኣብ ታንዛንያ –Peasant Intellectuals: Anthropology and History in Tanzania” ዝብል መፅሓፍ እውን ኣለዎ።

ገሊኡ ፈጣሪ ዝሓዘነሉ “ምሁር” እየ ዝብል፣ ሓረስቶት ካብ ምድፋእ ድንኩልን ካብታ ገዝኦምን ሓሊፎም ነገር ዓለሙ ዝጠፍኦም ደናቑር ሰባት ከም ዝኾኑ እዩ ዝሓስብ። ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ተፃሒፉ ኣሎ እሞ ዝውስኾ ሓዱሽ ነጥቢ ኣይብለይን።

ሓረስታይ ትግራይ፣ ገባር ስለዘይኮነ ኣነ ገባር ኣይብሎን፣ ስቕ እንተበለ ዘይፈልጥ ዝመስሎም ሰባት ብዙሓት እዮም። ምስ ክንደይ ኢልካ እሞ ትካታዕ? ግን ድማ ሓረስታይና ብፁእ እውን ኣይኮነን። እንተኾነ ድልየቱ ካብ ባዕሉ ንላዕሊ ኣፀቢቑ ዝፈልጠሉ ሰብ የለን። ብዛዕባ እታ ዓለሙ ግን ባሕሪ ዝኾነ ፍልጠት ኣለዎ። ብናይ ባዕሉ ሜላን ልምድን እዩ ኽዓ ዝዛረብ። ነቲ ናቱ ሜላ ብቅጥዒ ተረዲኦም ክትርጉሙሉ ዝኽእሉ እንተተረኺቦም ግን ካብቲ ትምህርቱ ብዙሕ እዩ ክርከብ ዝኽእል።

ካብ ሓረስቶት ክትመሃር እንተደሊኻ ንክትመሃር ድልው ክትከውን ኣለካ። ኣብኦም ዘሎ ክትፈልጥ ኬድካ “ተጋጊኹም” እንዳበልካ ክትካተዖም እንተጀሚርካ ግን እቲ ከምህረኒ ኢልካ ዝኸድካዮ ሰብ ስቕ ስለ ዝብል እትቀስሞ ትምህርቲ ኣይክህልወካን። ነዚታት ተዓዚቡ እዩ ስቲቨን ፈየርማን “Peasant intellectuals” ዝብል መፅሓፍ ፅሒፉ። ናብ ሓረስቶት ትቐርብ። ክትፈልጦ ዝግባእ ትወስድ። ዘይተረደአካ ድማ ፅሒፍካ ተቐምጦ እሞ ትሓስበሉ። ጌጋ እንተመሲሉካ ጌጋ እውን እንተኾነ ንባዕልኻ ትሕዞ እምበር ብሓንቲ ተጓንፎ እንተዘይኣረምኩኹም ኢልካ ናብ ውጥጥ ኣይትኣትውን።

ናብ ገጠራት እኸይድ እየ። እሓትት’ሞ ምላሾም ፅን ኢለ እሰምዖም። ንምንታይ ንዓይ ዘይመስለኒ ይነግሩኒ ኣይብልን። ንሶም ዝመስሎምን ዝኣምኑሉን ንምስማዕ እየ ዝኸይድ እሞ እሰምዖም ድማ። እንተገደደ እውን እንታይ ከም ዝኣምኑ እርዳእ። ገረመኒ ኣይገረመኒ ናቶም እምበር ናተይ እምነት ንዕኦም ትርጉም ኣይብሉን።

ሕዚ ፅን ኢለ ዝሰማዕኹዎን ዘገረመለይን ዛንታ እየ ከስዕበልኩም። ኣጋንንቲ ኣለው ይበሃል እዩ ኣብ ክርስትና እስልምናን። ኩሉ ዓዲ ነናይ ባዕሉ ኣጋንንቲ ኣለውዎ። ኣብ ሰለኽለኻ ኣብረሮም ፣ኣብ ወርዒ ባህረ ምንጉዳወለንቸአልህዝቅያስ መውቀልሃለቃ ተስፋይ፣ ኣብ ዓጋመ ጥልያን ብሰንሰለት ኣሲሩ ናብ ሮማ ዝወስዶ ዝብልዎ ድማ እዝጊሄር ይሃቦም ስሙ ኣዘኪሮምኒ ዝረሳዕኹዎ “ኣስመሮም ዓንዴል” ፣ ወዘተ ቁፅሪን ስፍሪን ዘይብሎም ኣጋንንቲ ኣለውና ወይ ነይሮምና። ገሊኦም እኳ ኣሪጎም ሞይቶም ይብልዎም እዮም። ናይ ኣብረሮም መርድእ ገና ኣይተሰምዐን፣ ዘይሞተ ግዲ ኮይኑ። ባህረ ምንጉዳ ግን ካብ ወርዒ ናብ ዓዱ ኣድያቦ ከይዱ “ኣሪገ ሞይተ እየ” ኢሉ ኣሕሊሙ እዩ።

ንወርዒስ እንኳዕ ድኣ ሞተሎም እምበር ቀንጢባ ኮይኑ ብዙሓት ከምዝቐተለ ይዝረበሉ እዩ። ከይሰምዕ ድምፆም ኣትሒቶም እዮም ዘዋግዑ።

ሎምቅነ (ሕዳር 2018 ዓ.ም) ናብ ኣሕስኣ ከይደ ነይረ። ከም ኩሉሻብ ብዛዕባ ጋኔን ኣይተርፍ ብዛዕባ ሰብ፣ ኣዋጊዕና ምስቶም ጥዑማት ሓረስቶት ደቂ ዓደይ።

ኣሕስኣ፣ ዓዲ ኣርባዕተን ጉንደትን መፋጥርትን ካብ ሩባ መረብ ዝቕዳሕ ወግዕን ብዙሕ ኣለዎም። መውስቦኦም ኣብዚ ተጀሚሩ ኣብዚ ይቋረፅ ኣይትብሎን። ከይንዋሕኹ እንዳ ኣኪላስ ዝበሃል ሓያል ጉንዲ ዘርኢ ኣለዎም እንዳ ኣኪላስ። ብዘበን ሃፀይ ዮሃንስ ደቆምን ደቂ ደቆምን ዘይዋዓልሉ ኲናት የለን። ኣብ መተማ ምስ ሃፀይ ዮሃንስ ተዋጊኦም ዝተሰውኡን ዝተመለሱን ብዙሓት ጀጋኑ ኣለውዎም።

እኖ እኖሓጎ ተጋዳላይ ስዩም መስፍን ጓል በረምበራስ ውቤ ኣኪላስን ካብ ጓል ጓሎም ንደጃች ስባጋድስ ወልዱ ዝውለዳን እየን። እምበይተይ ከበቡሽ ይበሃላ ናብ ደጃች ሃይለማርያም ሓውዜን ተመርዕየን ካብ ጉንደት መፂአን ንእኖሓጎ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ንእምበይተይ መድህን እየን ወሊደን። ሓው ኣኺላስ ዝወለድወን እምበይተይ ምንጥል ገብረህይወት ናብ ዓዲ ኣርባዕተ እየን ተመርዕየን። ንገድለ ኣቦ ፊታውራሪ መንገሻ እየን ወሊደን። ፊታውራሪ መንገሻ ኣቦሓጎ (ብእኖኦም) ኣቶ ዜናዊ እዮም። ብዛዕባ’ዚ ንኣምባሳደር ስዩም መስፍን ምስ ኣዋጋዕኹዎ ቅድም ክብል እንዳገረሞ ከምዘይፈልጥ እዩ ኣዋጊዑኒ ነይሩ።

እዚ ንገሊኡ ካብ በልኩ ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ መረብ ኣብ ኣሕስዓ ዝሰማዕኹዎ ዛንታ እነሆ። ንሩባ መረብ ክውንኑ ካብ ኲናትን ባእስን ዓዲ ዘይውዕሉ ክልተ ኣጋንንትን ስዓብቶምን ነይሮም እዮም ዝብልዎም።

ብወገን ኣሕስኣ ዝነቈጠ ጋኔን (ይሙት ይሃልው ኣይፈለጥኩን) “ኣባ ናዞ” እዩ ዝበሃል። ብበራቒትን ቆሓይንን (ኤርትራ) ዝርከብ ድማ “ገምቦ ጀሃን” እዩ ዝበሃል። ክልቲኦም ያ ካብ ቀደም ኩናት ይገጥሙ እሞ እቲ ሓደ፣ ሓደ ጊዜ፣ እቲ ካሊእ ድማ ካሊእ ጊዜ፣ ከከም ዝቐንዖም እዮም ዝስዕሩ።

ገጢምካ ምስዕዓር ዘሎ እዩ። “እባ ናዞ” እንተ ስዒሩ ኩሎም ብበራቒትን ቋሓይንን ዘለው ሰባት ሕማም ብሕማም ይኾኑ። “ገምቦ ጀሃን” እንተስዒሩ ድማ እቶም ኣሕስኣ ሕማም ብሕማም ይኾኑ እንዳተብሃለ ይእመን ከምዝነበረ እዮም ኣዘንቲዎምለይ።

ኩሉ ሻብ ሰብ መውስቦ እዮም ኣሕስኣን ጉንደትን ዋላ ክሳብ ርሑቕ። ሓደ ጊዜ ያ ካብ ኣሕስኣ ጓልኩም ሃቡና ተባሂሉ ናብ እንዳ ኣኪላስ መውስቦ ተሓቲቱ። ዘይቀደምናስ መዋስብቲ ኢና ዝብል ምላሽ ስለ ዝተረኸበ መርዓ ተቖፂሩ ወራድ መርዓ ተኻይዱ። እቶም ካብ ኣሕስኣ ዝኸዱ መርዓት ሒዞም ክምለሱ እንተለው፤ ኣብ ሩባ መረብ ምስ በፅሑ እታ መርዓት ንወዱ “ንሸቃ ብርለ” ዝደለያ “ኣባ ናዞ” ብስውር መንጢልዎም። መርዓዊን ወራድ መርዓን ብዘይ መርዓት ተሪፎም።

ተመሊሶም ናብ እንዳጓል ናብ ጥርዓን ከይዶም። ተንኮል “ኣባ ናዞን ወዱን” ተፈሊጡ ምንኣሳ ነታ መርዓት ኣብ ክንዲ ሓፍታ “ትብፃሕኹም” ተባሂላ ናብ ዘይተሳናደወትሉን ናብ ዘይሓሰበቶን ሓዳር ከይዳ።

እታ “ብሸቃ ብርለ ወዲ ኣባ ናዞ” ዝተጨወየት መርዓት ግን ኣይተረሰዐትን። ዘመዳ እንተሞይቱ ኣብቲ ወሰን ሩባ ኮይንካ “እከለ ወዲ እከለ ሞይቱ ኣሎ” ኢልካ ብኣውያት ተርድኣ ኢኻ። ቃላይ መረብ ክትሰግር እንተለኻ እውን ምእንተ ድሕነትካ፤ ማይ ጨጒዕኻ ብኣፍካ ጎፅጒፅካ “ንሕና ኢና ደቂ እከለ ኣሕዋትክን ኣዝማድክን ንሰግር ዘለና” ኢልካ ነቲ ማይ ቡጭ ክትብል ኣለካ።

እምበኣር ከምዚ ዝብል ዛንታ ኣብቶም “ደቂ ባራይ ኩሩዓት” እውን ፀኒሑ እዩ።

Similar Posts

  • እምነት ኣጋንንቲ

    ብ መምህር ሙሉወርቂ ኪዳነማርያም ኣብ እምነት ሰብ ክኣትው ኣይደልይን። ናይ ባዕለይ ጥራሕ እየ ክዛረብ። ኣተዓባብያና ማሕበረሰብ ዝውስኖን ዝተወሰኖን ኩሉ እዩ። ካብኡ ክንወጽእ ኣይንኽእልን። ናትና ነጻነት በቲ ዝተምሃርናዮ ኣቢልካ ምሕሳብ ወይ ዓጀውጀው ምባል እዩ ዝኸውን። ነጺግካን ካብኡ ወጺእኻ ምሕሳብን ኣይካኣልን። ብስሩዕን ብዘይስሩዕን እንመሃሮ ኩሉ እዩ ፍልጠት ዝበሃል። ካብቲ እንነብረሉ ዓለም ወጻኢ ፍልጠት ኣይብልናን። ዓለምና እቲ እንርእዮን…

  • እዛ እምባይ መን ይወርሳ!

    ሓረስታይ በየነ ኣማቲ ነይሩ። እቲ ናብራ ሃገረ-ሰብን ባህሊ ዓዲ-ኣቦን ከምቲ ዘለዎ ንሓዋሩ ስለ ዘይነብርሲ ሓድጊ ነቐምጥ እናበለ ይምዕድ። ሰጊዑ፣ ኸተማነት፣ ዘበናይ ባዕድነት፣ ባህልና ካብ ስሩ ከይምሕዎ፣ ንጨና ታሪኽ እኳ “ከምዚ ነይሩና“ መበሊ ክርከብ ኢሉ ይጭነቕ ነበረ። ኣጎዛ፣ ማእሲ፣ መፅዓን፣ ማሕለኻ፣ ዕርፊ፣ ነዊት፣አርዑት፣ ምራን-ቆራቑሮ፣ ዱግሪ፣ ከርፈስ፣ ምራን-ስርዓት፣ ወልየ ጻሕሊ፣ ዝንግሪር፣ ማሕብኢት፣ ብይት፣ መራኻቢት፣ መኾምቢያ፣ መሶብ፣ ቕምጫና፣…

  • ተዘክሮታት መንገዲ ደደቢትን እርያ ወርቅን

    ደቂ ሃገረሰብ ብፍላይ ደቂ ፍርቁ ሰሜን ምዕራብ፣ ጎና ጎኒ ሕርሻን ትምህርትን ወርቂ ምሕፃብ ዘውትራዊ ተግባርና ነበረ። ብባህላዊ መንገዲ ወርቂ ኣሪና፣ ንሙሉእ ዓመት ዝኸውን ክፍሊት ናውቲ ትምህርቲ ንሽፍን ነይርና። ንዲቪዛ፣ ደፍተር፣ ቢሮ፣ እርሳስ ምስ መቕረፂኡ፣ መዝገበ ቃላት (ቀደም ”መፍትሕ” ትብሃል ስምይቲ ነይራ)፣ ጫማ፣ ሳሙና፣ መመዝገቢ፣ ፍሊፕስ ራድዮ፣ ወዘተ ዝኸውን ወፃኢ ንሽፍን። እዙይ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፣ ንማሪያ…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *