እምነት ኣጋንንቲ
ብ መምህር ሙሉወርቂ ኪዳነማርያም
ኣብ እምነት ሰብ ክኣትው ኣይደልይን። ናይ ባዕለይ ጥራሕ እየ ክዛረብ። ኣተዓባብያና ማሕበረሰብ ዝውስኖን ዝተወሰኖን ኩሉ እዩ። ካብኡ ክንወጽእ ኣይንኽእልን። ናትና ነጻነት በቲ ዝተምሃርናዮ ኣቢልካ ምሕሳብ ወይ ዓጀውጀው ምባል እዩ ዝኸውን። ነጺግካን ካብኡ ወጺእኻ ምሕሳብን ኣይካኣልን። ብስሩዕን ብዘይስሩዕን እንመሃሮ ኩሉ እዩ ፍልጠት ዝበሃል። ካብቲ እንነብረሉ ዓለም ወጻኢ ፍልጠት ኣይብልናን። ዓለምና እቲ እንርእዮን ዝተምሃርናዮን እዩ።
ኣብ ውሽጢ ቤተ እምነት ኮይኖም ብዛዕባ ትግራይ ዘይሕማቕ ፅቡቕ ዘይራኣዮም ሰብ ዝመስሉ ኣጋንንቲ ብዙሓት ርእየ እየ። ካብ ፍጥረትና ዝተፈለየ ተፈጥሮ ዘለዎ ጋኔን ግን ርእየ ኣይፈልጥን። ብዙሕ ምቁር ዛንታ ከም ኩሉ ቆልዓ እንዳሰማዕኹ እየ ዓብየ።
እኖሓጎይ ኣብ ከባቢ ሩባ ወርዒ እየን ተወሊደን። ብክልቲኡ ገጽ ካብ ገረዓልታ፣እምባስነይትን ሰቄንን (ተምቤን) ከምዝውለዳ ይነግራኒ ነይረን። ኣብቲ ቆላን ረስኒ ዝበዝሖን ለምለም መሬት ኣሻሓት ከፍቲ ናይ ዝነበሮም ወለዶታት ዘርኢ እየ ይብላ ነይረን ቆልዓ እንተለኹ። ርእየዮ ኣይፈልጥን’ምበር በርሖ ጎኖቑለ እዩ ዝበሃል እቲ ዝተወለዳሉ ዓደን።
ኣብ ገዛና ከም እኖሓጎይ ገይሩ ጽውጽዋይ/ነበረ ያ ነበረ ዝነገረኒ ካሊእ ሰብ ኣይነበረን። ” ‘ታ እኖኻ!” ክብላኒ እንተለዋ “ታይ ‘ዳኖኻ’ ዝብላኒ ዝነበራ እንዳመሰለኒ ይዳናገረኒ ነይሩ ሽዑ። “በይዛ ድፍእ ቅድሜኻ እስጣሓኒ” ዘስምዕ ትርጉም ከምዝነበሮ ጽንሕ ኢለ እየ ተረዲአዮ።
ኣብቲ ገፊሕ መሬት ዝሽፍን ከባብታት ወርዒ ብዙሕ ጽውጽዋያትን እምነታትን ኣሎ። ንነገሩ ኣብ ቆላ መሬት ወሰና ወስን ሩባታት ወርዒ፣ መረብ፣ ፀድያን፣ ተከዘን ተመሳሳሊ ጽውጽዋያት ነይሮም እዮም።
ሎሚ’ውን ሰባት ከባቢ ወርዒ፣ ብስም ዝዝክሩዎም ብዙሓት ፀይቃማት ጋኔናት ያ ነይሩዋቶም ይብሉ ሽዑ ‘ኣበቲ ጥዑም ዘበን’።
1) “እስቅያስ መውቀል” ዝበሃል ሓደ ልማድያ ጋኔን። ካብ ገረዓልታ ሽሻይ ምስ ዝመልኦም ስድራ ቤት ደድሕሪ ማእለያ ዘይነበረን ከፍቶም እዩ ሰጊሩ። ራሕስን ሽሻይን ስለዝብህግ ንሱ’ውን ካብ ርኹባት ኣይፍለይን ነይሩ እመስለኒ። እስቅያስ ካብ መርዓን ጓይላን ያ ዘይፍለይ ወናምን እዩ ያ ነይሩ። ብዓይኒ ዘይራኣይ ትግራዋይ እንተዘይኸውን ዶ ኸ ከምቲ ኢሉ ጓይላ ኣፍቂሩ? ትልሂትን ደርፊን ምስተወደአ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ነተን ኣዋልድ ዓድና ያ ዓው ኢሉ “ሓምብጣለይ” ይብለን። ሓንቲ ሰሚዐ እንተይላ፣ ሓሪቑ ከይቐዝፈን ወይ ከልፊ ከየምፀአለን ተኣኪበን ይሕምብጣሉ። ክሳብ ደኺመን ዝወድቃ እዩ ዘሕምብጠን።
እስቅያስ መውቀል ዝገበሮም ፀይቅታት ዘርዚርካ ኣይውድኡን። ገሊኦም ዝነገሩኒ ሓደ መዓልቲ ናብ ገረዓልታ ያ ሰጊሩ ሓደ ዓብዪ ሰብ ሞይቶም’ሞ ቀብሪ ናብ እምባስነይቲ ኢሉ ኣእውዩ። ከይፀንሐ ብናይ ጋኔን ኣካይዳ ብር ኢሉ ናብ እምባስነይቲ ከይዱ ሓደ ናይ ገረዓልታ ዓብዪ ሰብ ሞይቶም’ሞ ቀብሪ ናብ ገረዓልታ ኢሉ ካልኣይ ኣብ ለይትን ውድቕትን ኣውያት ኣስሚዑ።
ኣዝማድ ተኣኪቦም እንዳበኸዩ ካብ ክልቲኡ ናብ ቀብሪ ተበጊሶም። መስገሪ ዱር ወርዒ ሓንትን ፀባብን እያ ዝነበረት’ሞ ክልቲኡ ቀባራይ ህዝቢ ያ ኣብ መንገዲ ተራኺቡ። እቶም ሞይቶም ዝተብሃሉ’ውን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክቐብር ብማለት ኣብኡ ተራኺቦም። ናይ ፀላኢ ሰናይ ስራሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።ጉድ ተባሂሉ ኣባሲኣ እስቅያስ መውቀል እዩ ተባሃሂሎም እቲ ናብ ቀብሪ ዝወፀ ድባብን መሳቕልን ነናብ ዓዱ ተመሊሱ።
2) “ኣባይ ኮለል” ዝበሃል ወዱ ንሓጎስ መውቀል እዩ። ናብ ገረዓልታ ጫፍ ወርዒ ያ እዩ ተመሊሱ ኣብቲ ሩባታት ሰፊሩ። ኣብ ጥቓ ዓዲ ማርቆስ ኣብ ጭዕሚት- እምባስነይቲ (ጓል ወርዒ) እዩ ዝነብር ነይሩ ዝብል’ውን ኣለው። ከፍቲ ነይረነኦ ናይ ባዕሉ። ኣብ መንገዲ ደርጓዕጓዕ ክብላን ሳዕሪ ክምንጭታን ክስምዓ እንተዘይኮይነን ንሳተን’ውን ከም ዋነአን ኣይራኣያን። ጎይታ ጋኔን ከም ኣቦኡ ፈታዊ ጓይላ ነይሩ ይበሃል። ተንኮልን ጽይቅናን ግን ካብ ኣቦኡ ይገድድ ነይሩ ያ።
ከፍቲ ወርዒ ካብተን ካልኦት ከፍቲ ትግራይ ፍሉይ ቁመና ነይሩወን ይብሉ። ፀባ ብዙሕ ይሕለባ፣ ክሕረዳ እንተለዋ’ውን ክንዲ ናይ ሓርማዝ ስጋ ይርከበን ያ ነይሩ። “ንምንታይ እየን ንሳተን ፍሉያት ጭጋሬት ኮይነን?” ኢልካ እንተሓቲትካ ምስተን ናይቶም ኣጋንንቲ ዓበይቲ ከፍቲ ዝተዳቐላ ስለዝኾና እዮም ዝብሉኻ። በረኻ ወርዒ ኣጋንንቲ’ውን ከምሰብ ከፍቲ ዘፍርዩሉ፣ ደቂ ሕድርትና ዓጋዜን ድኩላን ፀባ ዝሓልባሉን በይኖም ዝዋሳወሱሉን እዩ ነይሩ ይብሉዋቶ። ሰብ ማሕረስ ምስ ፀበቦ እዩ ብለበዳ ሓዊ ጨኪኑ ኣልቂቕዎም። ደቂደቆምን ደቂ ሕድርትናን ለቒቖም ምስከዱ እታ መሬት ረጊሞማ ግዲ ኮይኖም ድርቅን ከውሕን ተሪፋ። (ርግማኖም ይስማዕ ዶ ኢልኩማቶ?)
3) ሃለቃ ተስፋይ ዝበሃል ካሊእ ጋኔን’ውን ነይሩ። ኣይ ምሁር ኣይ ፈረስ (ተመርዕዩ ዝፈትሐ) ንምንታይ ኢሉዎ “ሃለቃ” በሉኒ ከምዝበለ ኣይፍለጥን። ዓዱ ንሱ’ውን ጣጥንቅላት ገለበዳ ጥቓ ወርዒ ያ እዩ ነይሩ። ከምቶም ካልኦት የሕልምን ይጽይቕን ነይሩ። ምስቶም ካልኦት ተማቒሉ ርስቱ ትሕት ኢሉ እዪ ኣብ ከባቢ ሳንታ ገለበዳ ሒዙ ነይሩ ኢሎማቶ።
እቶም ናይ ሽዑ ወለድና ሎሚ ከብደይ ይበልዑኒ።
እዞም ኩሎም ጋኔን ዘብጽሑዎ በደል ቅዝፈትን መከራን ተጻዊሮም እዮም ብህድኣት ስዒሮሞም።
4) ወለንቸአል ስም ጋኔን ገረንቸአል ድማ ስም ቆለ ኮይኖም ይፍለጡ ነይሮም እዮም ኣብ ትግራይ። “ክዓም መፀኒ ወለንቸአለይ/ገረንቸአለይ” እንዳተብሃለ’ኳ ይድረፍ ነይሩ። ተሪፉ እንተኮይኑ ኣይፈለጥኩን። ብዙሕ ናይ ጋኔንነት ተግባር ከምዝነበሮ ዝዛረቡሉ ወለንቸአል ዓዱ ኣብ ባየን (ጥቓ ዓዲ ዓሓ-ተምቤን) እዩ ነይሩ ይብሉዋቶ። (ኣብተን እኖሓጎይ ይውለደሉ ዝብለኦ ቦታ ኩሉ ኣጋንንቲ ዝውለዱ ምዃኖም ክሓስቦ ከለኹ ግርም ይብለኒ! )
ወለንቸአል ዓዱ ገዲፉስ ኣብ ላዕላይ ወርዒ ‘ምኽራም ዳሕና’ ኣብ ዝበሃል ዓድን ከባቢኡን ያ ይነብር ነይሩ። ካብቶም ፀይቅታቱ ሓደ “ኣቦይ ሞይቱኒ እዩ’ሞ ኩሉኹም ሰንበት ናብታ እግሪ ዓባይ ዳዕሮ እኽለ ማይ ሒዝኩም ኬድኩም ብጽሑኒ።” ያ ኢሉስ ኣብ ገሊኦም ዓዲ ኣሕሊሙ። ህይወትናን ጥሪትናን ከይውዳኣልና ኢሉ ዓዲ ተማሪሑ ናብታ ዳዕሮ ከይዱ።”ኣቦኻ ዶ ሞይቱካ ወለንቸአለይ” ብዝብል ብኽያት ተጀሚሩ። እኽለማይ ተደጊሱ ብኽያት ከይተውደአ ዓቀይቶት ብኡ ክሓልፉ ምብጽሕ ረጊጽና ከይንሓልፍ ኢሎም ኮፍ ኢሎም።
“መን ድኣ ተጎዲኡ?” ኢሎም ሓቲቶም።
“ወለንቸአል ኣቦይ ሞይቱኒ ብጽሑኒ።” ኢሉ ኣሕሊሙ እዩ ክንበጽሕ መጺና።
“ወለንቸአል መን?”
“እቲ ጋኔን!”
“ጋ..ኔ…ን..ን” ኢሎም ብበትሪ ነቲ በጻሓይ ኣንዳኣጓየዩ በቲኖም ነናብ ገዝኡ ሰዲዶሞ። ንሳቶም ተሪፎም ነቲ ናይ ሕዙናት ተባሂሉ ዝተቐረበ እኽለማይ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ መንገዶም ከይዶም። ወለንቸአል ተቐይሙ ይኸውን። ክቐዝፎም እዩ እናበለ ሰብ ክሓምይ ቀንዩ። ሸለል ኢሉዎም ግዲ ኮይኑስ ዘብፀሐሎም ጉድኣት ኣይነበረን። (ካብቶም ንበኸይቲ በቲንና ዝበሉ ሓደ እዮም ነጊሮምኒ።)
5)ባህረ በርሀ ወዲ ኣድያቦ ዝበሃል ክዓ ነይሩ። ኣድያቦ ዘይፀበቦ እንታይ ክገብር ናብ እምባስነይቲ ከምዝሰገረ ኣይፍለጥን። ኩሉ ዓድና እዩ ዝብል ወዲ ዓዲ እዩ ዝነብር። ክሽፍት ከይበሃል’ውን ሽፍታ ካብታ ዝተወለደላ ርሒቑ ኣይኸይድን። ብደምነት ስለዘይፍራሕ ዝኾነ ሰብ ክቐትሎ ሰጋእ መጋእ ኣይብልን።
እዚ ጋኔን’ዚ ጨካንን ብዙሕ ሰብ ዝቀተለን እዩ ይብልዎ ። ኣብ ዓዲ ማርቆስ (ፀድያ) ብዙሕ ሰብ ኣጥፊኡ ኢሎም ይፀውዩሉ። ንሱ’ውን ትግርኛ ዝዛረብ ጋኔን እዩ ነይሩ። ኣብ መሬትና እንዳነበሩ’ማ ቋንቋና ክዛረቡ ኣለዎም። ክልተ ዝተፈላለየ ቋንቋ ድኣ ኣበይ ክንሳማዕ? ምስ ኣረገ ሓሚመ ኢሉ ናብ ኣድያቦ ያ እዩ ተመሊሱ ሞይቱ። ስለዚ ጋኔን’ውን ከማና ይኣርግ፣ ይሓምምን ይመውትን እዩ። ዘይዋለዱ እንተኾይኖም ክሳብ ሎሚ ተወዲኦም ኣለው ብሞት። ምሟቱ’ውን ብሕልሚ እዩ እዩ ያ ገሊፁ። ጋኔን’ውን ከምሰብ ሓሚሙን ኣሪጉን ይመውት ብልጫኡ ግን ብሕልሚ ለይቲ ደበኽ ክዓ ይብል። ደቁ ይትክእዎ ይትክእዎ!
6) ስሙ ዘይነገሩኒ ናይ ኣፍተራ (ሓሓይለ) ጋኔን’ውን ያ ነይሩ። መዓዝ እንተኢልካ ዝነግር የለን’ምበር ናይዚ ጋኔን’ዚ ፅይቅና ድማ ኣሕዋት እንዳባኣስካ ደም ምስታይ እዩ ነይሩ ዋኒኑ።
ሓደ መዓልቲ ናብ ታሕታይ ዳዕረኻ (ዓዲ) ከይዱ “ላዕላይ ዳዕረኻ ኲናት ኣዊጆም ይመጽኹም ኣለው” ኢሉ ያ ኣእውዩ። ካብኣ ተመሊሱ ናብ ላዕላይ ዳዕረኻ ደይቡ ድማ “ታሕታይ ዳዕረኻ ክወርሩኹም ይመፁ ኣለው” ኢሉ ነጊሩዎም። ብድሕሪኡ ያ ክልቲኦም ብቀተለኒ ቀተለኒ ኣብ መንገዲ ኣዋዲእዎም። ናይ ኣሕዋት ደም ሰትዩ ፀጊቡ ያ ከይዱ ጋኔን ክፉእ።
7)ኣቦይ ብሩ ወዲ ሑመራ ዝበሃል ኣብ ሩባ ተከዘ ዝነብር ሓደ ጋኔን እዩ ተሪፉኒ ካብቶም ዛንታኦም ሰሚዐ ዝዝክሮም።
መርዓ ጌርካ ጥብሲ ጠቢስካን ኣረቂ መሳሊ ሂብካን እንተዘይጠቢርካዮ ኣብታ መዓልቲ መርዓ ነታ ዳስ ከም ንፋስ ኮይኑ ግልብጥብጥ ኣቢሉ ጉዳይካ እዩ ዝፅይቐልካ ይብልዎ። ስለዚ ቅድሚ ዕዱም ንዕኡ ኢኻ ክትጋብዞ ዘለካ።
ገሊኦም ገለ ግበረልና ኢሎም ያ መፅብዓ ይኣትውሉ እዮም። ሓንቲ መፅብዓኣ ዘየብፀሐት ሰበይቲ ቀትሪ መዓልቲ ያ ቁምጣ ስረን ገምባለን ገይሩ ከፈራርሓ መጺኡስ ምስ ኣእወየት ተሰዊሩ ይብሉታ ፀውይቲ። ሎሚ እዚ ኩሉ ጥብስን ኣረቂን ዝለመደ ጋኔን ኣበይ ኮን ይህልው?