ተዘክሮታት መንገዲ ደደቢትን እርያ ወርቅን

ደቂ ሃገረሰብ ብፍላይ ደቂ ፍርቁ ሰሜን ምዕራብ፣ ጎና ጎኒ ሕርሻን ትምህርትን ወርቂ ምሕፃብ ዘውትራዊ ተግባርና ነበረ። ብባህላዊ መንገዲ ወርቂ ኣሪና፣ ንሙሉእ ዓመት ዝኸውን ክፍሊት ናውቲ ትምህርቲ ንሽፍን ነይርና። ንዲቪዛ፣ ደፍተር፣ ቢሮ፣ እርሳስ ምስ መቕረፂኡ፣ መዝገበ ቃላት (ቀደም ”መፍትሕ” ትብሃል ስምይቲ ነይራ)፣ ጫማ፣ ሳሙና፣ መመዝገቢ፣ ፍሊፕስ ራድዮ፣ ወዘተ ዝኸውን ወፃኢ ንሽፍን።

እዙይ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፣ ንማሪያ (ኣሸንዳ)፣ ቅዱስ ዮሃንስ ወይ መስቀል ዝኸውን ንኹሎም የሕዋትካ (ብፍላይ ኣሓት) ሓዱሽ ክዳን ምግዛን፣ ወፃኢ ናውቲ ትምህርቶም ምኽኣልን እውን ዳርጋ ናይ ሓፀብቲ ወርቂ ሸኽሚ እዩ ዝነበረ። ”ወዲ ኹስቶ ንወለዱን ኩሎም ኣሕዋቱን ክዳን ገዚእሎም፣ ነዲኡ ድማ ቆለ ዘፈልፍል ጥልፍን ወርቅን እኳ ኣምፂኡለን፣ ኣብየት ምንፍዑ . . .” እንዳበሉ ኣብ ውድድር ውሽጢ ክንኣቱ ድማ ይገብሩና ነበሩ። ካብ ባዕልና ዝተረፈ ንወለዲ ኣሕዋትና ዝግዛእ ገዛዚእና ክንምስገን፣ ኣብ ዓዲ እውን ክዝረበልና ድማ ሑቔና ክሳብ ዝብጠስ ንሰርሕ፣ ሓመድ ትግራይ ንሩባ ተከዘ ጎዲፍና፣ ንሱዳንን ግብፅን ንህበን!!

ካብ ሽረ ቀለብና ተሸኪምና ጉዕዞ ቁልቁለት ንኣንፈት ደደቢት ብእግርና ሓደ መዓልቲ ሙሉእ ተጓዒዝና ዓራርቦ ፅሓይ-ማይ ለሚን ንበፅሕ። ሽዑ ድማ መንገዲ መኪና ስለ ዘይነበረ ብኽረምቲ መኻይን ኣይኸዳን፣ ዓቐብ፣ ቁልቁለት፣ ውሑጅ ብእግርኻ እያ። ሸኽምና እንዳተባረና፣ ማይ ሓሸዋ እንዳሰተና ማእገርናን ርእስናን ማር ማር ክሳብ ዝብሎ ሑሩጭ ጣፍ፣ ፊኖ፣ ሽሮ (ደበልዋ)፣ በርበረ፣ ሽንኮር፣ ብረድስቲ፣ ማንካን መቑሎን ተሸኪምና ንጓዓዝ።

ድልድል ዝብሃል ስለ ዘይነበረ እቶም ኣብ ከባቢ ማይለሚን ዝርከቡ ከምኒ ማይ ጤል፣ ማይ ሓንሰ፣ ሕፁይ ዝበሉ ዓበይቲ ሩባታትን ካልኦትን ጋሻ ውሑጅ እንተመሊእዎም፣ ኣብ መንገዲ ሓዲርና ምስ ቀነሰ ንሳገር፣ እንተዘይኮይኑ ኢድ-ንኢድ ተታሒዝና፣ ወይ ጭራ ጊመልን ብዕራይን ሒዝና ንሳገር ነይርና። መኻይድና ውሕጅ እንትወሰዶም፣ ካባና ዕብይ ዝበሉ ብወሰን ጎና ጎኒ እቲ ውሕጅ ጎዮም ስሒቦም የውፅእዎም ነይሮም። ብኣፎም ኣትዩ ዝንግሪር ዘመስሎም ማይ፣ ከብዶም እንዳጠወቕካ፣ ብኣፍንጭኦም፣ ብኣፎም፣ ብኻልእን ክወፅእ ይግበር። ክንደይ ቁርን መከራን ንሓልፍ ነበርና፣ እንተኾነ ግን ሽዑ ዋላ ሓንቲ ኣይመስለናን ዝነበረ።

ካብ ሽረ ተበጊስካ ብደባጉና ወይ ድማ ብእንዳፋንታይ፣ ክሳድ ጋባ፣ ፍቑርእዝጊ፣ ሕፃፅ/ጨጓሪት፣ ማይ ለሚን ትበፅሕ። መብዛሕትኡ ሰብ ኣብዚ ቦታ እዚ ወርቂ ይሓፅብ፣ ብባህላዊ መንገዲ ይኣሪ ነይሩ። ካብዚ ንታሕቲ ክቕፅል ዝደለየ ድማ ማይለሚን ሓሊፉ-ማይ ሓንሰ-ዓዲ መሐመዳይን ማይስሩ/ማይ ዂሕሊን (?) ሓሊፉ ደደቢት ይኣቱ። እዚ ኸባቢ ኩሉ ወርቂ ኣለዎ እዩ። ዓዲ መሐመዳይ ካብ ጠቐስኩ ግን ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም። ”ይግባይ ንዓዲ መሐመዳይ” ይብሃል እዩ፣ ትርጉሙ ግን ሓቲተ ኣይፈልጥን፣ ታሪኻዊ ድሕረ ባይትኡ ትፈልጡ ሰባት ሃየ!!

ሓደ ግዘ ምልሻ ኣስገደ ፅምብላ `ሓመድና ንሩባ ትህብዎ ኣለኹም` ኢሎም ክኣስሩና ብዙሕ ሰዓታት ኣጓዮምና ጫፍ ደደቢት በፂሕና ነይርና እምበር፣ ኣነ ኣብ ደደቢት ወርቂ ሓፂበ ኣይፈልጥን። ወርቅና ተሓዲግና፣ ተኣሲርና ንኽሳድ ጋባ ከይንውሰድ መዓልትን ለይትን ጎይና ኣምሊጥና (ቀጥ ብዝበለ ኣይኮነን)፣ ጫማና ብጥስጥስ ኢሉ ኣብ መንገዲ ቀርዩ፣ ክንደይ ዕሾኽ ወግኣና። ንሰሙን ድማ ኣእጋርና ሓቢጡ ደንበወ። ተመን ዝነኸሶም፣ ውሕጅ ወሲዱ ኣጓንዩ ዘውፅኦም እውን ነበሩ። ብዝኾነ ካብ ደደቢት ተመሊስና ብኻልእ ምንገዲ (ካብ ሸፋቱ እውን ንሕንጢጥ ተሪፍና) ብዕዳጋ ሕብረት ጌርና ንገዛና ተመለስና። ሽዑ ንዓይ ሓዊሱ ንመብዛሕቴና ሓንጎል ዓሶ ፈፈው ኣበለትና።

እዚ ኹለይ ዝኾን ዘሎ ቆልዑ እንዳሃለና እዩ፣ ኣነ ካብ ሓሙሻይ ናብ ሻዱሻይ ኣብ ዝሓለፍኩሉ ሰነ-ንንሓስኡ ናብ ወርቂ ምሕፃብ ከይደ፣ ብዙሓት ዓበይቲ እንተነበሩና እኳ ከማይ ዝበሉ ቆልዑ እውን ውሑዳት ኣይነበርናን። ብፍላይ ናይ ገዛና ቦኽርታት ዝኾንና ከምዚ ዓይነት ሓላፍነት ነይሩና። ኣብ ፍርቂ ሴሚስተር ምንጣር ስለዝነበረ ድማ ኣብኣ ናብኣ እያ። ግን ኣይንፈርሕን። ፋስና ሒዝና፣ እምኒ ገለ እውን ኣብ ጁባና ንገብር። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ክሳድ ጋባ ኾነ ዕዳጋ ሕብረት ዓራት ንሓደ ለይቲ 50 ሳንቲም እዩ ዝኽፈሎ ነይሩ።

እቲ ዓራት ድማ ኣብ ደገ እዩ ዝኸውን፣ መከባቢያ የብሉን፣ ኣብቲ ፒያሳ ኢኻ ትድቅስ። ኣብቲ ”ፒያሳ” ኢሎም ዝፅውዕዎ ዝነበሩ ማእኸል ዕዳጋ ብካቦ ዝተሰርሐ ዓራት ይደርደር፣ ናይቲ ዓዲ ከፍቲ፣ ኣግማል፣ ኣጣልን በጊዕን እውን ኣብኡ እየን ዝሓድራ፣ ሓቢርካ ትሓድር። ኣፈላላዩ ንሕና ኣብ ዓራት፣ መቐር ተኸዲንና ንድቅስ ምዃንና እዩ።

ብከምዚ ኣርባዕተ ክረምቲ እንዳተመላለስኩ ወርቂ ሓፂበ፣ ድሓር ግን ተሃኪዩኒ፣ ኣብ ሃይስኩል እንዳ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተቖፂረ፣ ከተማ ለመድኩ። ” ወዲ ሃለቃ ገብረሂወት ከተማ ከተማ ወዘንዘን ኣብዚሑ ተበላሽዩ” ተባሂለ ተሓመኹ። የዕርኽተይ ናብ ወርቂ ከይዶም ብዙሕ ገንዘብን እንዳምፁ ”የፅርፉኒ” ነበሩ።

ብዝኾነ ሓደ ግዘ ሓደ ዓርክና ምሳና ተሃላሊኹ፣ ንማይ ሓንሰ እንተዘይከድኩ ይብል። ጓቛ ስለዝነበረቶ ኣይትኽእልን ንስኻ ክትሓምም ኢኻ እንተበልናዮ ይኣቢ። ስቕ ኢልካ እንዶ ኣጅቦኻ ብላዕ፣ ማይጨባኻ ዘጥር እንታይ ኣንካራተተካ ተበልና ክሰምዓና ኣይክኣለን። ዳርጋ ይበኪ። ከምዚ ናይ ቀደም ደቂ እንድርታ ንኣርሆ ዝገብርዎ ጉዕዞ፣ እዚ ጉዳይ መግለፂ ኽብርን ወድነትን ኮይኑ ኣሎ። ዋእ እንተይልካስ ኢልና፣ ሒዝናዮ ንኸይድ።

ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉዕዞ ቆልዓ ፊኽፊኽ ኢሉ ይደኽሞ፣ ብጉዕዞ ዝሓበጠ እግሩ ሓዊ እንዳፀለና ድርዝ ኣምሲናዮ። ንፅባሒቱ ዓራት ስቕሎና ሰሪሕና (ባድዋርን መቐርን/ላስቲክን እዩ ዝስራሕ)፣ ራሕባና ሒዝና ሓፀባ ንጅምር። ሓደ መዓልቲ ሓፂቡ ዓሶ የሻል ተብሎ። እታ ሻዓ ዝሓጸባ ዳርጋ ኩሕሊ ጥራሕ እያ ነይራ፣ ወርቂ ኣይነበሮን። ብዝኾነ 50 ሳንቲም ኣውጺኣትሉ፣ ንዓዱ ዝምለስ ደጋፊ ጌርና ሸውዓተ ቅርሺ ወሲኽና ንገዝኡ ልኢኽናዮ። ኣብ ማልስ ደኺምዎ ኣብ ክሳድ ጋባ ስለዝሓደረ እታ 50 ሳንቲም ዋጋ ዓራት ኮይናቶ። እቲ 7 ቅርሺ ድማ ፉል፣ ሻሂ፣ ገለመለ እንዳበለ ገዝኡ ኣትዩ። ድሕሪኡ ከይዱ ኣይፈልጥን፣ ንሕና ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ”50 ሳንቲም” እንዳበልና ነሕርቖ ነይርና። ግዘ ጥዑም።

ኣብቲ ወርቂ ንሓፅበሉ ዝነበርና መታሕት ኣስገደ ፅምብላ፣ ማይ ለሚን፣ ማይ ሓንሰ፣ ክሳብ ደደቢት ዝነበሩ ሓረስቶት ንወርቂ ኣቕሓ ኣይብልዎን ዝነበሩ። ብኣማኢት ዝቑፀራ ጥሪቶም ኮብኪቦም እንዳራኣዩና ይሓልፉ። ሃፍታም ዓዲ እዩ፣ ፃዕዳ ዳጉሻ፣ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ሰሊጥ፣ መሸላ፣ ወዘተ ድማ የፍርዩ። ብጋዝ ዝሰርሓ ጠሓንቲ ማሽናት እውን ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ነበርኦም። ኲናት ክሳብ ዝጅምር መንገድታት ተሰሪሑ፣ ብዙሕ ሰብ ዝነበረሉ፣ ወርቂ እውን ብባህሊ ምሕፃብ ዳርጋ ተኸልኪሉ እዩ። ኢዛና (ትእምት) ነይሩ፣ ካልኦት ነይሮም።

ሕዚ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግን ደላሊ፣ ሌባ፣ ሃፍታም፣ ብዓል ስልጣን፣ ጀነራል ኮነ ሕጋውን ዘይሕጋውን ኩሉ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዓሲሉ ወርቅን ካልኦት መዓድናትን ብስስዐ ክኣሪ ዓዲ ይባድም ኣሎ፣ ህዝብን ትንፋስ ዘለዎ ፍጡር ኩሉን ንሓደገኛ ኬሚካል ተቓሊዑ ይርከብ።

እቲ ናይዚ ዓዲ እዙይ ሰገር (ተከዘ) ዝኾነ ምዕራብ ድማ ብሰሊጥ፣ መሸላ፣ ዱር ዕጣን ይፍለጥ። ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኣሎ። ደደቢት እውን እንተኾነ ማእኸል ኲናት ምዃኑ ኣይቀረየን። እቲ ሕቶ ርስትነት ኢሎም ናብ ፅንተት ዘዕበይዎ ዂናት፣ ሕቶ ኢኮኖሚ እዩ፣ ኣዝዮም ዝሃርፍዎ፣ ካባና ንላዕሊ ሃረምረም ዝብልሉ ኸባቢ ትግራይ። ትማሊ ብሃፀያት ኮነ ሎሚ ዓድነትን መንነትን፣ ዝብልዎ ዝባዝንኪ እዩ፣ መሸፈኒ ነቲ ኢኮኖሚያዊ ድልየቶም እዩ። ቁልዑን ዝፈለጥን እውን እዩ። ግን ነዚኣ ብስነ-ህዝቢ ከደግፍዋ ስለዘለዎም ሰብ ኣፅኒቶም ሰብ ይተኽሉ ኣለዉ።

ብዙሕ ህዝቢ ትግራይ ተጋዲሉ ደሙ የፍስስሉ ዘሎ ከባቢ እዩ እሞ፣ እቲ ናይ ሰነፋትን ዕኑዳትን ፖለቲካ ኣንፈት ሒዙ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ዓወት ትግራይ ተኾሊዑ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ኾነ ኢኮኖሚያዊ ብልጫ ትግራይ ክረጋገፅ እዩ፣ ታሪኽ እቶም ንኢኮኖሚያዊ ጥቕምን ስስዐን ዘይወፈሩ ተጋደልቲ ድማ ከም ወርቂ በሪሁ ክነብር እዩ።

ብዛዕባ ወርቂ ብዙሕ ምተባህለ፣ ባህሊ ትግራይ ፈታዊ ወርቂ እዩ፣ ስለ ዝነበሮን ዘለዎን። ኣንጢሩ መጋየፂ ዝሰርሕ ክእለትን ናይ ምግያፅ ባህጊ ስለ ዝነበሮን። ህዝቢ ትግራይ ምስ ወርቂ ዘለዎ ረኽቢ ብኣኽሱማዊ ሳናቲም ንፈልጦ፣ ብመጋየፂ ደቂ ኣንስትዮ ንፈልጦ። ንምንታይ ግን ምስ ወርቂ ፍልይ ዝብለ ረኽቢ ክህልዎ ክኣለ?

ስእሊ 1: ሳናቲም ኣኽሱም

ስእሊ 2: ኣርቲስት ፍርያት የማነ -ብባህላዊ መጋየፂ ትግራይ


ብ ወልደጊዮርግስ ገብረሂወት

Similar Posts

  • እምነት ኣጋንንቲ

    ብ መምህር ሙሉወርቂ ኪዳነማርያም ኣብ እምነት ሰብ ክኣትው ኣይደልይን። ናይ ባዕለይ ጥራሕ እየ ክዛረብ። ኣተዓባብያና ማሕበረሰብ ዝውስኖን ዝተወሰኖን ኩሉ እዩ። ካብኡ ክንወጽእ ኣይንኽእልን። ናትና ነጻነት በቲ ዝተምሃርናዮ ኣቢልካ ምሕሳብ ወይ ዓጀውጀው ምባል እዩ ዝኸውን። ነጺግካን ካብኡ ወጺእኻ ምሕሳብን ኣይካኣልን። ብስሩዕን ብዘይስሩዕን እንመሃሮ ኩሉ እዩ ፍልጠት ዝበሃል። ካብቲ እንነብረሉ ዓለም ወጻኢ ፍልጠት ኣይብልናን። ዓለምና እቲ እንርእዮን…

  • እዛ እምባይ መን ይወርሳ!

    ሓረስታይ በየነ ኣማቲ ነይሩ። እቲ ናብራ ሃገረ-ሰብን ባህሊ ዓዲ-ኣቦን ከምቲ ዘለዎ ንሓዋሩ ስለ ዘይነብርሲ ሓድጊ ነቐምጥ እናበለ ይምዕድ። ሰጊዑ፣ ኸተማነት፣ ዘበናይ ባዕድነት፣ ባህልና ካብ ስሩ ከይምሕዎ፣ ንጨና ታሪኽ እኳ “ከምዚ ነይሩና“ መበሊ ክርከብ ኢሉ ይጭነቕ ነበረ። ኣጎዛ፣ ማእሲ፣ መፅዓን፣ ማሕለኻ፣ ዕርፊ፣ ነዊት፣አርዑት፣ ምራን-ቆራቑሮ፣ ዱግሪ፣ ከርፈስ፣ ምራን-ስርዓት፣ ወልየ ጻሕሊ፣ ዝንግሪር፣ ማሕብኢት፣ ብይት፣ መራኻቢት፣ መኾምቢያ፣ መሶብ፣ ቕምጫና፣…

2 Comments

  1. ፅሑፈትካ ከምዚ ምሳካ ተጋዕዘ ፣ወርቂ ዘኣረኹ ኮይኑ ክሳብ ዝስመዐኒ ከይርኑ ።
    ከም ማይ ሩባ ቀጥ ኢሉ ዘለዎ ዋሕዚ ዓይነት እዩም ፅሑፋትኻ ቀፅለሉ ።

  2. እቲ ዘሻቕል ብ መርዛም ኬሚካል ኣይብላዕ ኣይስላዕ እናኾነ፤ እቲ ብርሰትን ጉሕለትን ጥራሕ ዘንፀላልዖ ሰብ ጥራሕ ምህላዉ እዩ። ወዮ ኬሚካልስ ድዉይን ስኩንን ወለዶ እዩ ክፈጥር፣ ንምንባር ዘይጥዕም ዓሿኽ መሬት እዩ ክፈጥር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *