እዛ እምባይ መን ይወርሳ!

ሓረስታይ በየነ ኣማቲ ነይሩ። እቲ ናብራ ሃገረ-ሰብን ባህሊ ዓዲ-ኣቦን ከምቲ ዘለዎ ንሓዋሩ ስለ ዘይነብርሲ ሓድጊ ነቐምጥ እናበለ ይምዕድ። ሰጊዑ፣ ኸተማነት፣ ዘበናይ ባዕድነት፣ ባህልና ካብ ስሩ ከይምሕዎ፣ ንጨና ታሪኽ እኳ “ከምዚ ነይሩና“ መበሊ ክርከብ ኢሉ ይጭነቕ ነበረ።

ኣጎዛ፣ ማእሲ፣ መፅዓን፣ ማሕለኻ፣ ዕርፊ፣ ነዊት፣አርዑት፣ ምራን-ቆራቑሮ፣ ዱግሪ፣ ከርፈስ፣ ምራን-ስርዓት፣ ወልየ ጻሕሊ፣ ዝንግሪር፣ ማሕብኢት፣ ብይት፣ መራኻቢት፣ መኾምቢያ፣ መሶብ፣ ቕምጫና፣ ጭልፋ፣ ሒላብ፣ መጥሓን ወዲ መዲድ፣ ቁራዕ፣ ሰፍኢ፣ መካተቻ፣ ሳንዱቕ፣ ዋንጫ፣ ዉርዉራይ በትሪ፣ መንፊት ሚሐ (ጊሐ)፣ ማሕጎማ ቀርኒ፣ ቆፎ፣ ኩዶ፣ ሞጒዲ፣ ወዘተ ወላዊልኩም፣ ዓጢንኩምን ሸፊንኩምን (ነቐዝ፣ ባልዕ ከየባላሽዉዎ) ንታሪኽ አቐምጡ እናበለ ንሓረስቶት የዘኻኽር ነበረ። ነዙይታት ኢሉ ሙዝየም ክሰርሕን ክሓስቦን ዝኽእል መንግስቲ ኮነ ምሕደራ ከም ዘየለ ስለ ዝፈልጥ፣ ሕድሕድ ስድራ ሰነድ ባህላዊ ኣቕሕኡ ከቐምጥ ይላቦ።

እቲ ነፍሒ ፕሮፖጋንዳ ገዛኢ ውድብ፣ ቅልጡፍ ዕብየት ከተማነትን ህቦብላዊ ዘበናዊነትን (ምዕራብነት) ከተኣታቱ እናመስሎሲ ፍርሒ ውርር የብሎ ነበረ። ኢትዮጵያ ኾነ ትግራይ ኣብ በዝሒ ዝተመርኮሰ እምበር፣ ኣብ ዓውዳዊ ብሉፅ ሞባለን ፅሬትን ኣይተድህብን ዝነበረት እሞ፣ ንትሕዝቶና ኣማዕቢሉ እንተይኮነስ ተኪኡ ደምሲሱ ዝኸይድ ዕብየት ክመፅእ እዩ ኢሉ ይእምት ነበረ። ንዕኡ እዩ ገጠራዊ ትሕዝቶታት ኣብ ውሻጠ ተዓቚቦም ክፀንሑ ዝምዕድ ዝነበረ። እዙይ ዝብለና ዝነበረ እቲ ቀደም እዩ፣ ቆልዑ እናሃለና!!

እሞ እማ ሽዑ፣ እቲ ቆልዑ እናሃለና ትዝ ይብለኒ፣ ስረ ኣይነበረናን። ጥራሕ ማዓኮርና በጠዉበጠዉ እናበልና ንጎዩ ነበርና። ግን ካዓ ተሰሚዑና ኣይፈልጥን፣ ኣይነስተማስልን ዝነበርና። ንእሽተይ ፍርይ እንትንብል መሐንገጊያ ዘለዎ ስረ ይግዝኣልና። ወይ ስሬና ተቐዲዳ ወይ ካዓ ስረ ዘይብልና ኣብ መሬት ኮፍ እንትንብል ጻጸ የሕርር የብለና። ብጸሓይ ኣብ ዝመወቐ ከዉሒ ኮፍ እንትንብል እዉን መዓኮርና የቃጽለና። ሽዑ ዘይተሰምዓንስ ሕጂ የሕሙኒ።

ብዝኾነ ከምኡ ኢልና ጤለ-በጊዕ፣ ከፍቲ፣ የእድጉን ምራኹትን ኣብቲ ሰፊሕ ሓምለዋይ ጎልጎል ትግራይ እንትንሕሉ፣ ዝስምዓና ዝነበረ ፍስሃን ዝነበረና ርኽዓትን ክነግረኩም ኣይክእልን። ንፅፅር እውን ኣይነበረን፣ ብዘለካ ምሕጓስ ድማ ሃገረሰባዊ ልምዲ እዩ። ሕይ እንትሓስቦ ግን እቲ ናብራ ሃገረሰብ ስቓይ ድዩ ነይሩስ ሓጎስ እብል እየ። ምኽንያቱ ሕዚ ካልእ ዓለም ሪአ እየ፣ የነፃፅር ያ ኣለኹ። እቲ ውርጪ ቁሪ፣ ዝናብ ምስ ደንጏል በረዱ፣ ነዊሕ ጉዕዞ፣ ንዓመት ሓንቲ ክዳን፣ መውቃዕቲ፣ ወዘተ ከመይ ኢሉ ዘኪርካዮ ከሕጉስ?

ብዝኾነ ንሓላፍነት ዕድመ ምብጻሕና ጥራሕ የሕጉሰና ነበረ። ብፍላይ ካዓ ዘበን ጽቡቕ ኮይኑ ጥሪትና ጸጊበንን ሃጢረንን እንትንሪአን፣ ንሕና እዉን ብታሕጓስ ንቕዕ ንብል። ሓልዮት፣ ሰብኣውነት እዩ ዝመስለኒ፣ ሎምስ ይቕረ `ሞ ሰብ ኮይንሉ ጸጊቡ ሪኡስ እንስሳ እንተጢዕምወን እኳ ዝቐንእ ሰብ ዘሎ ይመስለኒ። `ቀደም ጥዑም ነይሩ` ክብል እንታይ ቀርዩኒ፣ ዋላ ፅቡቕ ኣይንበር ሕሉፍ ምንፋቕ ሰባዊ ባህሪ ኮይኑ ትዕዘብ።

ኣብ ጓስነት፣ ጸሓይ ጠለስ ምስ በለት (ድሕሪ ሰዓት)፣ ጥሪት ዝኣኽለን ሳዕርን ማይን ምስ ረኸባ፣ እክብ ኢለን ይድቅሳ። ሽዑ ንሕና ተኣኪብና ንጻወት። ቃርሳ፣ ኩርቲት፣ ቅልስ፣ ተወሰጥ፣ ጭርሖ፣ ሕምበሳ (ምሕምባስ)፣ ገበጣ (ኣብ መሬት ዂዒትና)፣ ውርር ብመልጎም ወይ ተዓሪፋ፣ ኩዳን ሳዕስዒትን፣ ዉርወራ፣ ዝላ፣ ዉድድር ጉያ፣ ዕሙዕሙተይ፣ ሕብሕብኢት፣ ወዘተ ካብቶም እንሕጎሰሎም ዝነበርና ዓይነት ጸወታታት እዮም።

ካብዞም ኩሎም ጸወታታት ግን “እዛ እምባይ መን ይወርሳ?“ ትብሃል ክሳብ ሎሚ ዘይርስዓ ግርም ትብለኒ ዓይነት ጸወታ ናይራትና። ዋላ እኳ ኩሉ ማሕበራዊ ርክብናን ጸወታናን ዉድድር ዝዓሰሎ፣ መግለጺ ምብሓት ስልጣን እንተኾነ ናይዛ ጸወታ እዚኣ ዓቀይታይነት ግን ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ።

ብሓጺሩ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ“ ማለት ሓደ ሰብ ናብ እምባ ወይ ጒላ ይወጽእ እሞ፣ ናይ ኩሉ ገዛኢ ይከዉን (ቤተ-መንግስቲ በልዎ)። ከምኡ ኮይኑ “ዝነግስ“ ካዓ ንኹሎም ብሓይሉ ደፊኡን ብጉያ ቀዲሙን ናብታ በራኽ ቦታ ወይ ጒላ እንትድይብ እዩ። ብድሕሪኡ ግን ሓይሊ ዘለዎ ነቲ ንጉስ ብኹርቲት ወቒዑ ኮነ፣ ደፊኡ እንተባሪርዎ “ንጉስ እታ እምባ“ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ።

እሞ ኣብዚ ከይዲ “ዕልዋ ንጉስ“ ደቂ ኣንስትዮ የሕዋትና ተጎዳእቲ ነበራ። ደቂ ኣንስትዮ ቀዲመን ሕብረተሰበንን ባህለንን ዝርድኣ ፍጡራት እየን። ብባህሊ ዘሕፍርን ዘየሕፍርን ገና ህጻን እናሃለዋ እየን ዝመምያ። እዙይ ብምፍላየን “ቆቛሕ“ ይብልዋተን።

ንኣብነት ወዲ ብህጻኑ “ዕንትትልኡ“ ከይሸፈነ እንትኸይድን፣ ብዘይ-ሕንከት ዊጥ አቢሉ እንትሸይንን ነዉርነት ኣይስምዖን። ወረ ደስ ኢልዎ እናሰሓቐ እዩ ዝሸይን!! እተን ደቂ ሄዋን ግን ገና ክንዲ ጣፍ እናሃለዋ እታ “ሕምባሽአን“ ሸፊነን እየን ዝሸና። ኣብ ቅድሚ ሰብ እዉን ኣይገብርኦን፣ ከዉሊ ይደልያ።

ንሕና ካዓ ነዚኣ ስለ እንፈልጥ ጓል ኣንስተይቲ “እንተነጊሳ“ ብታሕቲ ኮይንና “እታ ሕምባሻኺ ንሪኣ ኣለና“ ንብላ። ወዮ ሽዑ ዉሽጢ ስረ ኣይነበረን። ጨርቂ ሽፎን ይኽደና ስለ ዝነበራ ካዓ ኣብ እዋን ጸሓይ ዓራርቦ እንትኾን እቲ መንጎ እግረን ብጨረር ብርሃን ንሪኦ ኢና። ንዚ ዝሰምዓት “ንግስቲ“ ስለ እትሓንኽ ወይ ትሓፍር (ባህሊ ዝፈጠሮ ኣበሳ እንድዩ)፣ ተጨኒቓ እያ ቤተ-መንግስታ ትሕሉ።

በቲ ሓደ ገጽ፣ ንንዉሕ ዝበለ ግዘ ክትነግስ ትደሊ፣ ብትኻልእ ገጽ ድማ ሕምባሽኣ ከይርአ እግራ ከምድላያ ወርዊራ ሽንኩሪሒት ኣይትዋቓዕን፣ እርንብ ኢላ ቀሚሻ ሒዛ እያ ትከላኸል። ብቐሊሉ ካዓ ተሸኒፋ ትወርድ። ከምዚ ጌርና ብዙሕ ንግስነት ንሕዝ ነይርና። ብፍላይ ገሊኦምስ ርጉማት ነበሩ። መስትያት ኣብ ጅብኦም ሒዞም ከይዶም እውን የፈራርሕወን (የዕሽውወን) ነበሩ። ሽዑ ብጭላፍ መስትያት ሪአና ዝፀገብና ሎሚ ብዙሕ ሃደምደም ኣይብልን 🙂

ዝብለኩምሲ እታ ህወሓት ካብተን እህት ድርጅቶች” ትብለን ብኽደይ ዝኣክል እያ ዝብኣሰ ኣበር ዘለዋ (ኣመል ስርቂ፣ ዓቕሚ ምንኣስን ውሕልና ኣልቦነትን)? ውድብ ህወሓት ካብተን ካልኦት “ኣሓተይ እየን“ ትብለን ዉድባት ብሙስናን ግዕዝይናን ማዕረ-ማዕረ ድያስ ዝበኣሰት? ከምታ ድኽምቲ ጎነን ሒዝና ነሕፍረን እሞ ንስዕረን ዝነበርና፣ ንህወሓት እዉን እተን ካልኦት ሕማቕ ጎና ሒዘን (ዝብኣሰት እንተኾይና፣ ስኽፍትኣን ብሃምነታን ተበሊፀን) ረፋዕ ከም ዘየብልኣ የፍርሕ። ኣነ እኳ ስርቅን ሕመቕን ኣይመሓላለፋን ግን ናይ ህወሓት ከምቲ ውሽጢ ስረ ዘይብሉ ሽፈን ደቂ ዓድና ስለ ዝኾነ፣ ብፍሉይ ከሕንኽኣ ይኾና እብል።

ኣባላት ግንባር ውድብ ኢህወዴግ ገዛ ዓጽየን “እዛ እምባይ መን ይወርሳ“ ይብሃሃላ ያ ኣለዋ ተባሂሉ። “ኣየኹም ናይና“ ምባል ዶ ይሓይሽስ ፣“ግብሮም የዉጽኣዮም“?


**እዚ ፅሑፍ ብታሕሳስ 2017 ዓ.ም.ፈ ዝተፃሕፈ ኮይኑ፣ ምስ ዝተወሰነ እርማት ቋንቋ ዳግማይ ዝቐረበ እዩ።

ብ ወልደጊዮርግስ ገብረሂወት

Similar Posts

  • ተዘክሮታት መንገዲ ደደቢትን እርያ ወርቅን

    ደቂ ሃገረሰብ ብፍላይ ደቂ ፍርቁ ሰሜን ምዕራብ፣ ጎና ጎኒ ሕርሻን ትምህርትን ወርቂ ምሕፃብ ዘውትራዊ ተግባርና ነበረ። ብባህላዊ መንገዲ ወርቂ ኣሪና፣ ንሙሉእ ዓመት ዝኸውን ክፍሊት ናውቲ ትምህርቲ ንሽፍን ነይርና። ንዲቪዛ፣ ደፍተር፣ ቢሮ፣ እርሳስ ምስ መቕረፂኡ፣ መዝገበ ቃላት (ቀደም ”መፍትሕ” ትብሃል ስምይቲ ነይራ)፣ ጫማ፣ ሳሙና፣ መመዝገቢ፣ ፍሊፕስ ራድዮ፣ ወዘተ ዝኸውን ወፃኢ ንሽፍን። እዙይ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፣ ንማሪያ…

  • እምነት ኣጋንንቲ

    ብ መምህር ሙሉወርቂ ኪዳነማርያም ኣብ እምነት ሰብ ክኣትው ኣይደልይን። ናይ ባዕለይ ጥራሕ እየ ክዛረብ። ኣተዓባብያና ማሕበረሰብ ዝውስኖን ዝተወሰኖን ኩሉ እዩ። ካብኡ ክንወጽእ ኣይንኽእልን። ናትና ነጻነት በቲ ዝተምሃርናዮ ኣቢልካ ምሕሳብ ወይ ዓጀውጀው ምባል እዩ ዝኸውን። ነጺግካን ካብኡ ወጺእኻ ምሕሳብን ኣይካኣልን። ብስሩዕን ብዘይስሩዕን እንመሃሮ ኩሉ እዩ ፍልጠት ዝበሃል። ካብቲ እንነብረሉ ዓለም ወጻኢ ፍልጠት ኣይብልናን። ዓለምና እቲ እንርእዮን…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *